ትማሊ ሰሉስ 06.10.2020 ፖሊስ ዞባ ትሮንድላግ ኖርወይ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሰሜናዊ ምብራቕ ሮቪክ ዝተባህለ ከተማ፣ ዝተረኽበ ሬሳ ናይ ኣማኑኤል ተወልደ ተላ ምዃኑ ሓቢሩ። ፖሎስ ዞባ ትሮንድላግ ብዕለት 2.10.2020 ብዝበጽሖ ሓበሬታ መሰረት እዩ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ሬሳ ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ኣማኑኤል ተወልደ ክረኽቦ ክኢሉ።
ፖሊስ ትሮንድላግ ፣ ምስ ሞት ኣማኑኤል ተወልደ ዝተኣሳሰር ዝኾነ ናይ ቅትለት ገበን ኣሰር ከምዘይረኸበ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ከም ዝሓበርናዮ፣ ፖሊስ ትሮንድላግ ድሒሩ ከም ዝበጽሖ ብዕለት 5.0.2020 ፍርቂ ለይትን ፈረቓን ናይ ደገ መቆጻጸሪ ካሜራ ዝቐረጾ ስእሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝጠሓለ ሰብ ከም ዝነበረ እንተ ኣረጋገጸ እኳ ብልክዕ መን ምንባሩ ክፈልጥ ግን ኣይከኣለን። ንኣማኑኤል ተወልደ ድማ እቲ ዝጠሓለ ንሱ ምዃኑ በቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ብምድምዳም፣ እንተኾነ ድማ ርግጸኛ ብዘይምንባሩ ድማ ከም ዝጠፍአ መዝጊቡ ጉዳዩ ከም ዝዓጸዎ ኣብ እዋኑ ሓቢሩ ኔሩ እዩ።
ኣማኑኤል ተወልደ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ ብዕለት 5 መስከረም 2020 ካብ ገዝኡ ከምዝጠፍአ ዝፍለጥ እዩ።
ሰቲት ሜድያ ብሞት ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ኣማኑኤል ተወልደ ሓዘን እንዳ ተሰምዖ፣ ንስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት ይሃብ ትብል።