back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዳናኪል ትካል ዕደና ፍርቂ ብርኪ ኮሉሊ ይሸጦ

ትካል መዐደኒ ፖታሽ ኮሉሊ፤ ብመሰረት ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሓበሬታ፤ ነቲ ዝውንኖ ዝነበረ 50% ብርኪ ናይቲ ትካል ሸይጥዎ። ነቲ 50% ብርኪ ኮሉሊ መዐደኒ ፖታሽ፤ ናብ Sichuan Road and Bridge Group ዝተባህለት ትካል ናይ ቻይና ኮይኑ፤ እታ ኩባንያ ናይ መጀመርታ ክፍሊት 105 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ክትከፊል ከላ፤ ነቲ ዝተረፈ 16 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ድማ ኣብዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋሪሕ ክትከፍሎ ትጽቢት ከምዝግበር ዳናኪል ኣፍሊጡ። ትካል ኮሉሉ ነቲ ዝውኒኖ 50% ብድሚር 121 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኢዩ ናብ ቻውናዊት ኩፓንያ ዝሸጦ።

ኮሉሊ ፕሮጀክቲ መዐደኒ ፖታሽ፡ 1.1 ብልዮን ቶን ዕቑር ፖታሽ፡ ንዱዂዒ ዝኸውን ከም ካብ ፖታሽ ዝፈሪ ዶዂዒ፡ ጂብሱም ከምኡ ውን ኮረት ጨው ዝኣመሰሉ መዓድን ከምዝርከቦ ይግለጽ። ፕሮጀክቲ ኮሉሊ፡ ምንጪ ካብ ፖታሽ ዝወጽእ ተሪር ዓይነት ዱዂዒ ከምዝኾነ ውን ይፍለጥ። ኣብ 2019 ወጺኡ ዝነበረ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ኮሉሊ ንቁጠባ ኤርትራ ናይ ምድንፋዕ ዓቢ ተኽእሎ ከምዝህልዎ ኣተንቢሁ ምንባሩ ይዝከር።

Sichuan Road and Bridge Group ካብ 1996 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ኣስታት 6 ፕሮጀክቲታት ዝካየደ ትካል ኮይኑ፡ ኣብዚ ኣዋን ንኩሊሊ መዐደኒ ፖታሽ ሓዊሱ፤ ሸውዓተ ፕሮጀክቲታት ዕደና ዘካይድ ትካል ኢዩ።  ትካል መዐደኒ ፖታሽ፤ ነቲ ዝውኒኖ ሓምሳ ሚእታዊት ብርኪ ክሸጦ ዝተገደደ፤ ዝምድና ናይቲ ትካል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምሕርፋፉ ከምዝኾነ ብ4 ጥቅምቲ 2022 ጸብጽብና ምንባርና ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles