ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ሸርክነት ትካል ኩሉሊን መንግስቲ ኤርትራን ይብተኽ

ዳናኪል፥ ኣውስርትራልያዊት ኩባንያ፥  ኣብ ደንከል ንጥፈታት ዕደና ፖታሽ ምድህሳስን ነቲ ዕደና ዘድሊ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ ሓምሳ ምኢታዊ  (50%)  ብርኪ ናይ ምዕዳን፡ ዘድሊ ናይ መሸጣ ቅጥዕታት እንደሐር ተማሊኡ፡  ናብ ቻይናዊ  ኩባንያ ሹዋን (Sichuan Road and Bridge Group) ክሸጦ ከምዝኾነ ይሕብር።

ዝፍጠሩ ኩነታት ዝውስንዎ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዘለዎ ብርኪ ንምሻጥ  ምስታ ቻይናዊት ኮባንያ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወሒ ግንቦት ናይዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2023 ክሰላሰል ትጽቢት ከምዝገብር ይገልጽ። ትካል ዕደና ዳናኪል፡ በዚ መሸጣ 121 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ጥረ ገንዘብ ከምዝረክብን ካብዚ ገንዘብ ድማ እቲ 90% ንሰብ ውነንቲ ብርኪ ናይቲ ትካል ከማቃርሖ  ከምዝኾነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Mining ዝሰፈረ ጸብጻብ የብርህ።

ዳናኪል ነቲ ዘትረፎ ኣስታት 12 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ድማ፡ ሓደሽቲ ፕሮጀክቲታትን ኣብ ምልላይን ተኽእሎታት ኣማራጺ ናይ ዕብየትት ዕድላት ንምድላይን ክጥቐመሉ ከምዝኾነ ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ንኤርትራ ዘምሓድራ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ዝፈጥሮ ሃዋሁ፡ ዳናኪል ነቲ ውሳነ ንምውሳድ ተጽዕኖ ከምዝለዎ ድማ እቲ ኣብ “mining.com”  ዝሰፈረ ጸብጻብ ኣይሓበአን።

ኮሉሊ ፕሮጀክቲ መዐደኒ ፖታሽ፡ 1.1 ብልዮን ቶን ዕቑር ፖታሽ፡ ንዱዂዒ ዝኸውን ከም ካብ ፖታሽ ዝፈሪ ዶዂዒ፡ ጂብሱም ከምኡ ውን ኮረት ጨው ዝኣመሰሉ መዓድን ከምዝርከቦ ይግለጽ።

ፕሮጀክቲ ኮሉሊ፡ ምንጪ ካብ ፖታሽ ዝወጽእ ተሪር ዓይነት ዱዂዒ ከምዝኾነ ውን ይፍለጥ። ኣብ 2019 ወጺኡ ዝነበረ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ኮሉሊ ንቀጠባ ኤርትራ ናይ ምድንፋዕ ዓቢ ተኽእሎ ከምዝህልዎ ኣተንቢሁ ምንባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ 50% ብርኪ ናይ ኩሉሊ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ከምዝውንን ይፍለጥ።

Sichuan Road and Bridge Group ካብ 1996 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ኣስታት 6 ፕሮጀክቲታት ዝካየደ ትካል ኮይኑ፡ እዚ 50% ናይ ዳናኪል ናይ ምግዛእ ውጥን ከምቲ ትመዲቡሉ ዘሎ እንድሕሪ ተሳሊጡ መበል ነታ ኩባንያ ሻብዓይ ፕሮጀክቲ ኢዩ ክኸውን።

Related Articles

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

OPINION:- ክልተ ተደሚሩን ረቢሑን ኣርባዕተ’ዩ !!!

0
ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ  መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ  ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት  ከም ምስ መዓልታዊ  ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ  መዓልታዊ  ምግጫው ማለት ኢዩ ። ህውሓት...

HOME:- ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

0
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል...

HOME:- ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሂንዲ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ የካዪድ

0
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሂንዲ፡ ሚኒስተር ሽሪ ቪ ሙራሊድሃራን፡ ብ 14ን 15 መስከረም 2022፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ሙዃኑ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ...

Latest Articles