ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ 3 ታሕሳስ 2022 ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ። ብመሰረት ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ስነ-ጥበበኛ ዮናታን ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ከምዝዓረፈ ተረጋግጹ። ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ፡ ብሕማም ይሳቐ ከምዝነበረ ዝሕብር ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ንህዝቢ ግሉጽ ከምዝገበሮ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንሕክምናዊ ረዲኤት ዝውዕል ምእካብ ገንዘብ ተጀሚሩ ምንባሩ ውን ይዝከር።
ብመሰረት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሰፈረ ሓበሬታን፡ ሰቲት ድማ ዘረጋገጸቶን፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነ-ጥበበኛ ዮናታን ታደሰ ብ 5 ሶኒ 2022 ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ጸጸራት ክፍጸም ኢዩ።
ሕልፈት ድምጻዊ ዮናታን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንማሕበረ-ሰብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ድማ ብፍላይ ዓቢ ክሳራ ከምዝኾነ ኢዮም፡ ብዛዕባ ሕልፈቱ ኣመልኪቶም ንሰቲት ሓሳቦ ዝሃቡ ዜጋታት ዝገልጹ።
ሰቲት፡ ንመዋቲ ዘልኣለማዊ ዕረፈቲ፡ ንበተ-ሰቡ ድማ ጽንዓት ትምነ።