ሰብኣዊ መሰል

ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሚላን ብካራ ከምዝተሃርመት ተሓብሩ

ብመሰረት ANSA ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ዘስፈሮ ዜና፤ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ማርዓ ብምእባያ፤ እቲ ኽትምርዓዎ ተሓሲቡ ዝነበረ ግለ-ሰብ ብካራ  ከምዝሃረማ ተፈሊጡ። እዚ ፍጻመ ዝሓለፈ ሮቡዕ 18 ነሓሰ 2022 ንግሆ ኣብ ሚላን ኢዩ ኣጋጢሙ። ብመሰረት እቲ ዜና፤ ማርዓ ናይ’ዞም ክልተ ግለ ሰባት ብስድራቤት ቅድሚ ኢሎም ንመርዓ ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ፤ እታ ጓል ከምዝኣበየት፤ እቲ ወዲ ድማ ብካራ ከምዝወግኣ ኢዩ ፖሊስ ሚላን ዝሕብር። ብመሰረት እቲ ዜና እቲ ግለ-ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

Join the discussion

Keep comments factual, respectful and relevant. Required fields are marked *.