ቀንዲ

ኤርትራዊት-ኣሜርካዊት ወይኒ ቀላቲ ንካልኣይ ግዜ ክብረወሰን ሰይራ 

ኣብ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስትት ኣሜርካ ዝተኻየደ ናይ ትራክን ሜዳን ውድድር ጉያ እግሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓድሽ ክብረወሰን ዝወነነት ወይኒ ቀላቲ፡ ኣብዚ ውድድር ብ15 ደቂቅን 18 ካልኢትን ብምዝዛም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2017  ብሞልይ ሃድል ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ 15 ደቂቅን 24 ሰከንድን መዝገብ ብ6 ካልኢት ብምብላጽ ክትዕወት ክኢላ ትርከብ። 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሜትሮ ውድድር ክብረወሰን ዝሰበረት ወይኒ ቀላቲ፡ ዜግነት ኣሜርካ ካብ እትቅበል ኣስታት 6 ኣዋርሕ ኣቁጺራ ትርከብ። 

ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ድሙቅ ዓመታት ተመዝግብ ዘላ ወይኒ ቀላቲ ጓል 24 ዓመት ምዃና ይንገር።

Join the discussion

Keep comments factual, respectful and relevant. Required fields are marked *.