ፉሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን ኤርትራ ክበጽሕ እዩ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፉሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ብምምሓዳር ባይደን ዝተመዘዘ ጀፈሪ ፊልትማን ኤርትራ ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ካብ  4 ክሳብ 13 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዝያት ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ሃገራት ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ምብጻሕ ከካይድ መዲቡ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብተን ሃገራት ምስ መራሕቲ መንግስትን፡ ወከልቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ክራኸብ ምዃኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ብተወሳኺ እቲ ልኡኽ፡ ምስ ሰብብርኪ ፖሎቲካን፡ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን ክራኸብ ምዃኑ ተሓቢሩ ይርከብ።

እዚ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዘካይዶ ዑዶት ኣሜርካ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ዝርከብ ፖሎቲካዊ፡ ሰብኣውን ጸጥታውን ሽግራት ንምዝራራብን ተራ ኣሜርካን ንምዕዛዝን ምዃኑ ይሕበር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,863FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት