ብውሕዱ 40 ሰባት ብሓደጋ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ሞይቶም 

ትካል ስደተኛታት ውድን ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብ 16 ሚያዝያ ከምዝሓበሮ ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ኩሎም ካብ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ከምዝኾኑ ዝተነግረሎም ፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ናይ 41 ሰባት ሬሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ቱኑዝያ ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ፡ ብተወሳኺ እቲ ትካል በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ሰለስተ ሰባት ከምዘድሓኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ 39 ስደተኛታት ሃሊቆም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኣብ ማእከላይ ክፋላት ማእከላይ ባሕሪ ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 290 ዝኾኑ ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት