ብኣሸሓት ዝቆጸሩ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ሽመልባን ሕጻጽን ናብ ማይ ዓይኒ ዓዲ ሓሩሽን ኣትዮም

ካብ መዓስከር ሽመልባን፡ ሕጻጽን ዝጸንሑ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ከምዝኣተዉ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የብርህ። ዕለት ሰለስተ ረቡዕ ናይዚ ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ብኣተቡሳትን በጠሓትን ዝተጻዕኑ ስደተኛታት ናብ ማይዓይኒ ከም ዝኣተዉ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ካብ ቅድሚኡ ኣትሕዞም ብዙሓት ካልኦት ናብተን መዓስከራት ክኣትዉ ከምዝጸንሑ ሓቢሮም።

ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ውግእ ስዒቡ ፋሕ ፋሕ ከምዝበሉ ክሕበር ዝጸነሐ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብኦም ብሰራዊት ኤርትራ ተጨውዮም ከምዝተወስዱን፡ ብኻልእ ወገን ምልሻታት ህወሓት ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ከምዝቀተሉ ዘቃልዕ ብኤ አፍ ፕ ዝቀረበ ጸብጻብ ኣብዝሓለፈ ግዜ ኣቅሪብናዮ ምንባርና ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ምብጻሕ ዝገበረ ዳይክተር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታታ ፍሊፖ ግራንዲ፡ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዎ መፍትሒ ክናደን፡ ኣስታት ዕስራ ሽሕ ስደተኛታት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት