ወተሃደራት ሃገረ ማሊ፤ ንፕረዝደንቲ ናይታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም።

ወተሃደራት ማሊ ንፕረዝደንትን ቀዳማይ ሚንስተርን ዝርከብዎም ሰበስልጣን ናይታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡበከር ኬይታ፡ ኣድማ ብዘካይዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፈኛ መንግስቲ ማሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።ብተወሳኺ ባውባው ሲሰ ዝተባህለ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ድማ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ፕረዝደንቲ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ናይታ ሃገር ባማኮ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተሓዪሩ ከም ዘሎ ማዕኬናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን። እዚ ወዲ 75 ዓመት ፕረዝደንት ካብ መስከረም 2013 ኣትሒዞ ን ማሊ ክመርሕ ጸኒሑ ኣሎ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት