እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወቕቲ ብተዛማዲ ዝሞቐን ብዙሕ ንፋስ ዘይነፍሰሉን ማዕበል ባሕሪ ዝሃድኣሉን ወቅቲ እዩ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እየን ዓመታዊ ዝበዝሓ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሰን ናብ ገማግም ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ናብ ገማግም ጥልያን ክበጽሓ ዝረኣያ። ኲናትን ዝተፈላለዩ ግጭታትን፡ ውልቀመለኽቲ ብዝኽተልዎ ዘይብቑዕ ምሕደራ፡ ዝተናውሐ ውትህድርና፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ጥሜት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ካልእ ሓያሎ ምኽንያታትን ብሰንኪ ዘስዕብዎ ምምዝባላት ሓያሎ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ዝበዝሑ መንእሰያት ኣፍሪቃ ውሑስ ቦታ ንምንዳይን መነባብረኦም ንምምሕያሽን ዓመታዊ ብመገዲ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክፈልሱ ይረኣዩ።
ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ቀንዲ ዝጥቀሙላ ሃገር ሊብያ ኮይና ብውሑድ ዓቐን ድማ ካብ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያን ግብጽን ይሰግሩ። ካብ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ካሜሩን፡ናይጀርያ፡ ጋና፡ ጊኒ፡ ማሊ፡ ጋምብያን ሴኔጋልን ካልኦትን ብመገዲ ኒጀር ናብ ሊብያ፥ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ሃገራት ሶማልያ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ድማ ብመገዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ይኣትዉ።
ካብ ኣፍሪቃ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝኣትዉ ሰባት ቁጽሪ ብፍላይ ካብ 2010 ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዝተዓጻፈፈ ቁጽሪ እናወሰኸ ክመጽእ ጸኒሑ፡ ካብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ 2010 58 ሽሕ ዝነበረ፡ ኣብ 2014 ናብ 139 ሽሕ ኣብ 2017 ድማ ናብ 168 ሽሕ ክብ ኢሉ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ማእከል ምርምር ስታስቲክስ ኤውሮጳ – ኤውሮስታት ይሕብር። እዚ ቁጥሪ ነቶም ካብ ሃገራት መግረብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣየጠቓልልን እዩ።
ቁጽሪ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዝነበሩ ዋሕዚ ስደተኛታት ብናህሪ ክውስኽ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ግን ብኣስታት 90 ሚእታዊት ጎዲሉ ኣሎ። ቁጽሪ ስደተኛታት ዝጎደለሉ ምኽንያት፡ ስደተኛታት ስለ ዝወሓዱ ወይ ቁጽሮም ብሓቂ ስለ ዝጎደለ ዘይኮነ ሕብረት ኤውሮጳ ‘ዝተኸፍለ ይከፈል ዝሞተ ይሙት’ ዝዓይነቱ ፖሊሲታት ብምትእትታዉ ክዓግቶም ይፍትን ብምህላዉ እዩ። ከም ውጽኢት ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ቁጽሪ ስደተኛታት ከምዝጎደለ ይመስልኳ እንተሃለወ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ግን ኣብ ሊብያ ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ይተሓዙ ኣለዉ።
ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ንምግታእ ኣስታት 4.5 ቢልዮናት ዩሮ (5 ቢልዮን ዶላር) ብምስላዕ ዝተፈላለዩ ሜላታት እዩ ዝጥቀም ዘሎ፡ ገለ ካብኡ ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ባሕሪ ከይኣትዉ ምኽልካል፥ ናብ ባሕሪ ዝኣታዋ ጀላቡ ተኾሊፈን ንድሕሪት ከምዝምለሳ ምግባር፡ ናብ ሊብያ ቅድሚ ምብጽሖም ኣብ ዘለዋ ቀንዲ መራኸቢ ሃገራት መዓስከራት ብምምስራት ዋሕዚ ምዕጋት፥ ስደተኛታት ካብ ሃገራቶም ከይወጹ ንሃገራቶም ሓገዝ ብምሃብ ምዕጋት፥ ናብ ኤውሮጳ ንዝኣተዉ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ከምዝኸብድ ጌርካ መንበሪ ወረቐት ከምዘይረኽቡ ምግባር፥ መንበሪ ወረቐት ዘይረኸቡ ናብ ዓዶም ክባረሩ ምግዳድ፥ ሕራይ ንዝበሉ ድማ ኣእሚንካ ገንዘባዊ ሓገዝ ጌርካ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ምግባር ይርከብዎም።
ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 2017 ንደሓር ጥራይ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ባሕሪ ከይኣትዉ እንተኣትዮም ድማ ካብ መንጎ ንምኹላፍ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዩሮ ሰሊዑ፥ ብመገዲ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ መንግስቲ ሊብያ ልኢኹ፥ ዓቕሙ ድሩት ዝኾነ መንግስቲ ሊብያ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሰምሰርትን ኣስገርትን ክቆጻጸር ስለ ዘይክእል እቲ ስራሕ ብተፈለለዩ ዕጡቓትን ሚልሽያ ከምዘካይዶ ተጌሩ። ከም ውጽኢቱ ሓገዝ ዝተገብረሎም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ምልሽያ ሊብያ ዝረኸብዎም ስደተኛታት ክኣስሩን ናብ መዕቆቢ ማእከላት ክእክብዎም እንከለዉ፡ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገርን ድማ ስደተኛታት ሒዘን ናብ ባሕሪ ክሰግራ ዝፍትና ጀላቡ ኣብ መገዲ ብምኹላፍ ንድሕሪት ናብ ሊብያ ከምዝምለሳ ይገብሩን ጀላቡ ኣስገርቲ ይህግሩን ኣሎዉ።
መንግስቲ ጥልያን ብወገኑ ብውልቁ ምስ መንግስቲ ሊብያን ዝተፈላለዩ ዕጡቓጥን ስምምዕ ብምግባር ስደተኛታት ክዓግት ይፍትን ኣሎ፡ መንግስቲ ጥልያን ንመንግስቲ ሊብያ ጥራይ ናይ ኣስታት 236 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ እንከሎ ንሓለዋ ባሕሪ ማሪታይም እታ ሃገር ድማ ስልጠና ሂቡ። ምስ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ምልሻ ድማ ምስጢራዊ ስምምዓት ኣካይዱ። በዚ መሰረት መራኽብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ካብ ማእከል ባሕሪ ብምኹላፍ ናብ ሊብያ ክመልስ እንከሎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ሚሊሽያ ድማ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉኖም ኣለዉ።
ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ዝተሓዙ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ኣደዳ ጥሜትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን’ውን ይኾኑ ከምዘለዉ ውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል የጠንቅቕ። ቁጽሪ ኣብ ዝተፈለላያ ኣብያተ ማእሰርትታት ዝተዳጎኑ ቆልዓ ሰበይቲ ከምኡ’ውን ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣስታት 5 ሽሕ ከምዝኾነን መብዛሕትኦም ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ውድብ ብተወሳኺ ይሕብር። እንተኾነ መንግስቲ ጥልያን ነቲ መጠንቀቕታን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራትን ዕሽሽ ብምባል እቲ ኣብ መንጎ ሃገሩን ሊብያን ዘሎ ስደተኛታት ናይ ምግታእ ስምምዕ ክሳብ 2023 ክቕጽል ኣሐዲስዎ ኣሎ።
ኣቐዲሙ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ካብ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ‘ርድኡና’ ኣብዚ ኣንፈት ኣለና ኢሉ ንዝመጾ ናይ ሂወት ኣድሕን መልእኽቲ ተቀቢሉ ክሳብ ፍርቂ ባሕሪ ብምኻድ ሂወት ስደተኛታት ከድሕን ይግደደ ኔሩ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ዓይነት ናይ ‘ኣድሕኑና’ መልእኽቲ እንተተቐቢሉ እቲ መልእኽቲ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እዩ ብቐጥታ ዘመሓላልፎ ዘሎ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ድማ ማእዝን እተን ጀለቡ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ብምቕባል ነተን ጀላቡ ናብ ሊብያ ከምዝምለሳ ይገብር ኣሎ።
ብዘይካ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያንን ማልታን ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጻ ናይ ‘ኣብ ባሕሪ ዝኣተዉ ስደተኛታት ደሊኻ ኣድሕን’ ኣገልግሎት ዝገብራ ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት መራኽብ’ውን ኣብ ማእከል ባሕሪ ብምኻድ ስደተኛታት የድሕና ኔረን እየን፡ እንተኾነ መንግስቲ ጥልያንን ማልታን ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደባተን ከይጽገዓ ካብ ዝኽልክለአን ካልኣይ ዓመተን ሒዘን ኣለዋ።
እተን ዝርካበን ‘ኦሽያን ቫይኪንግ’ን ‘ሲ ዋችን’ ዝብሃላ ዝነበራ ናይ ደሊኻ ኣድሕን መራኽብ ሕግታት ጥልያንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብምጥሓስ ስርሐን ይቕጽላኳ እንተነበራ ንሰን’ውን ድሕሪ ኮሮና ቫይረስ ስርሐን ደው ከብላ ተገዲደን ብምህላወን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነት ናይ ደሊኻ ኣድሕን መርከብ ኣብ ባሕሪ የላን፡ እዚ ድማ ንጉዕዞ ባሕሪ ዝያዳ ሓደገኛ ጌርዎ ኣሎ።ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ሊብያ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ከም ቀንዲ መራኸቢ ነጥቢ ስደተኛታት ንዝበሃላ ከም ሱዳንን ኒጀርን ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ናይ ቢልዮናት ዩሮ ወጻኢ ብምግባር ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይበጽሑ ክዓግቶም ይፍትን ኣሎ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኒጀር ዝገበሮ ዘሎ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ኣብታ ሃገር ካብ 2017 ንድሓር ን 4 ዓመት ዝቕጽል ናይ ሓደ ቢልዮን ዩሮ ናይ ልምዓት ሓገዝ ብምግባር ንሓለዋ ዶብ እታ ሃገር ስልጠናን ሎጂስትካዊ ሓገዝን ብምግባር መንግስቲ ኒጀር ስምስርናን ምስግጋር ሰባትን ብሕጊ ክተሓዙ ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ ፍልሰት ማለት ካብን ናብን ዝንከሳቐሱ ሰባት ብሕጊ ኣወንጂሉ ዘቕጽዕ ገበን ክትገብሮ ሕጊ ከጽድቕ ጸቕጢ ጌሩ።
በዚ ሕጂ መሰረት በታ ሃገር ክሓልፉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ከም ገበነኛታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መዓስከር ስደተኛታትን ከምዝተሓዙ ይግበር ኣሎ። ሰራዊት ኒጀር ድማ ኣብ በረኻታት እታ ሃገር ጽኑዕ ሓለዋ ኣተኣታትዩ። ከም ውጽኢቱ ቁጽሪ ብኒጀር ዝሓልፉ ስደተኛታት ኣብ 2017 150 ሽሕ ዝነበረ ኣብ 2019 ናብ 10 ሽሕ ጥራይ ወሪዱ። ኣብ ኒጀር ብተወሳኺ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ዓሰርተታት ኣሽዓት ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ብግዲ ከምዝምለሱ ተጌሩ፥ ሓያሎ ኣስገርቲን ሰምሰርትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ ንመስገሪ ዝትቀሙለን ዝነበሩ ፒክ ኣፕ ዝዓይነተን ሓያሎ መካይን ድማ ተሃጊረት።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሱዳንን ንዝመጹ ስደተኛታት ንምዕጋት’ውን ኣብ 2018 ምስ መንግስቲ ሱዳን ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ናይ ሓገዝ ስምምዕ ከቲሙ ኔሩ እንተኾነ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ከይተተግበረ ተቋሪጹ ኣሎ። እቲ ንሱዳን ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ሓገዝ ኣብ ምስልጣን ኣባላት ጸጥታ፡ ሓለዋ ዶብን ምቁጽጻር ኣስገርትን ሰምሰርትን እዩ ክውዕል ተሓሲቡ ኔሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብተወሳኺ ምስ ከም ሩዋንዳ ዝኣመሰላ ኣብ ደሓን ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ክወስዳ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ እንከሎ ድሮ ኣስታት 500 ሰባት ወሲዳ ዘላ ሩዋንዳ ኣብ ቀጻሊ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ክትወስድ ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ። ብዝተፈለለየ ምኽንያት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም፥ ብኢድ ኣስገርትን ዕጡቓትን ግፍዒ ወሪድዎም፥ ጽምእን ሙቐትን ምድረበዳ ሰሃራ ተጻዊሮም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ተኸላቢቶም፥ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮም ኤውሮጳ ካብ ዝበጽሑ ኣፍሪቃውያን’ውን እዚ ኩሉ ሓሊፎም ኣብተን ናይ መወዳእታ ዝበጽሕወን ሃገራት’ውን ዝበዝሑ ተቐባልነት ኣይረኽቡን እዮም ዘለዉ። ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ተሪር ናይ ዑቕባ መስርሕ ዝኽተላ ብምዃነን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ ብፍላይ ድማ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ይንጸጉን ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ይስግደዱ ኣለዉ።
ካብ 2014 ንደሓር ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ ጥሒሎም ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 20 ሽሕ በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ቁጽር’ዚ ካብ ጥሒለን ተባሂለን ዝተሓበራ ጀላቡ ዝተወስደ ብምዃኑን ምሉእ ስእሊ ኣይህብን እዩ፡ ሓያለ ሪፖርት ዘይተገብራ ዝጠሓላ ጀላቡ ኣሰር ዘይብለን ብምጥፍአን ቁጽሪ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፡ ብሓፈሻ ሓደ ካብ 6 ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፍትኑ ስደተኛታት ከምዝመውት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሕብረት ኤውሮጳ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ዳርጋ ምስ ኩለን ምንጪ ስደተኛታትን መስገሪ መገዲ ዝኾናን ሃገራት እናሰርሐ ንግዚኡ ዋሕዚ ስደተኛታት ከቐንሶ ክኢሉ ኣሎ፥ እንተኾነ እዚ ዘመዝግቦን ከም ዓወት ዝኾጽሮን ዘሎ ምጉዳል ስደተኛታት፤ ብዋጋ ሂወት ስደተኛታት፡ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዘኦምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰሎምን ከምዝኾነ ውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስት ይኸስስ።