back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

Black Lives Matter- “ህይወት ጸለምቲ የገድስ እዩ!”

 

 

Black Lives Matter
***
ኣብ ዝሓለፋ 3 ኣዋርሕ ብሽም Black Lives Matter ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳብ ኤውሮጳ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጸለምቲን ጸዓዱን ዓበይቲን ንኣሽቱን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊታት ክካየድ ተዓዚብና ወይ ኣብ ማዕከናት ዜና ተኸታቲልና ንኸውን ኢና። ንምኳኑ Black Lives Matter እንታይ እዩ?

Black Lives Matter ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውይን ብፖሊስ ይኹን ካልእ ንዝግበር ዓመጽን ጎነጽን ከምኡ ሕብሪ ቆርበት ምኽኒት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝግበር ኣድልዎን ዓሌታውነት ንምብዳህ ዝቖመ ምንቅስቓስ እዩ፡ እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ፖሊስ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ዘያገባብ ጸለምቲ ክቐትሉ ምስ ተራእዩ ብኣሊሻ ጋርዛ፡ ፓትሪሰ ኩሎር፡ ኦፓል ቶሜቲ ዝተባህላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ብ13 ሰነ 2013 ቆይሙ።

Black Lives Matter ንምንታይ ኣብዚ እዋን ብዝያዳ ህቡብነት ጀሚሩ? ሰኑይ 15 ግንቦት ናይ ኣጋ ምሸት ኣብ ምንያፖሊስ ዝተባህለት ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሰራሕተኛ ሓንቲ ዲኳን ናብ ፖሊስ ብምድዋል ‘ሓደ ሰብ 20 ትምዩን ናይ ሓሶት ዶላር ብምጥቃም ሽጋራ ገዙኡ’ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቡ፥ ነቲ ጥርዓን ንምምላስ ኣርባዕተ ፖሊስ መጺኦም፡ ፖሊስ ነቲ በደል ፈጹሙ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ጥሕቲ ቀይዲ ንምእታው ኣብ ዝፈተኑሉ 17 ደቒቕ ዝወሰደ ግዜ ምስሕሓብን ዘየድሊ ሓይሊን ብምጥቃሞም ብትምዩን ገንዘብ ሽጋራ ገዚኡ ዝተባህለ ጥርጡር ኣብ ኢዶም ሞይኑዎም።

እቲ ገበን ጌሩ ዝተባህለ ጥርጡር ወዲ 46 ዓመት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ እዩ ዝበሃል፡ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክንእትዎ ኣብ ዝፈተንናሉ እንብይታ ኣርእዩ መምርሒታት ፖሊስ ኣይተኸተለን ዝብል ምኽንያት እኳ እንተሃቡ ብሓለፍቲ መገዲ ብሞባይል ዝተሳእለን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከባ ዱካናትን ኣብያተ መግብን ዝተወስደ ተንቀሳቓሲ ቪድዮን ‘ሲሲ ቲቪ’ን ግን ፖሊስ ካብ ሕግ ወጻኢ ዘየድሊ ሓይሊ ከምዝተጠቐሙ የርኢ።

ብመሰረት እቲ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ እቶም ኣርባዕተ ፖሊስ ንጆርጅ ፍሎይድ ኣእዳዉ ንድሕሪት ጌሮም ፌሮ ኣእትዮም ድሕሪ ምእሳር ብሓይሊ ኣብ ማኪነኦም ከእትዉዎ ኣብ ዝፈተኑ እዋን ብኣፍልቡ ናብ መሬት ወዲቑ፥ ኢዱ እሱር እሞኸኣ ኣብ ባይታ ብኣፍልቡ ወዲቑ እናሃለወ ‘ድሬክ ሾቪን’ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ፖሊስ ብብርኩ ንክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ኣንጻር ባይታ ጸቒጥዎ፥ ክልተ ካልኦት ፖሊስ ድማ ኣብ ኣፍልቡን ከብዱን ጸቒጦሞ፤ እዚ ምጽቃጥ ን9 ደቒቕ ቀጺሉ፥ ኣብዚ ምጽቃጥ ጆርጅ ፍሎይድ ን16 ግዜ ዝኸውን ከተንፍስ ኣይከኣልኩ ‘i can’t breathe’ ክብል ተሰሙዑ፥ ሓለፍቲ መንገዲ’ውን ፖሊስ ዘየድሊ ሓይሊ ይጥቀሙ ከምዘለዉን ይቐትልዎ ከምዘለዉን ዝገልጽ ተቓውሞም ጌሊጾም ዝሰምዖም ኣይረኸቡን፥ ንጆርጅ ፍሎይድ ዓለም ሙሉእ እናረኣዮ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዓሪፉ።

ብዘይፍትሓዊ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተቖጥዑ ኣመሪካውያን ተቓውሞኦም ክገልጹን  Black Lives Matter ዝብል ጭርሖ ሒዞም ናብ ጎደናታት ክወጹን ድሕሪ ምጅማሮም እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም ተባሪሮም፥ ድሒሩ ብዝተገብረ ጸቕጢ ድማ ኣብ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ተንበርኪኹ ጸቒጡ ናብ ሞት ዘብጽሐ ፖሊስ ‘ድሬክ ሾቪን’ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ ቤት መግቢን ለይታዊ ትልሂትን ዝሰርሕ ዝነበረን ድሕሪ ኮሮና ቮይረስ ኮቪድ 19 ስርሑ ክስእን ዝተገደደን ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝተቐትለሉ እዋን ዝኾነ ይኹን ብረት ወይ ሓደገኛ ኣጽዋር ኣይነበሮን፡

ንሱ ኣብ ኢድ ፖሊስ ክቅተል ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡ ፖሊስ ካብ ናይ ካልኦ ዓሌታት ፍልይ ብዝበለ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን መሪካውይን ዘየደሊ ሓይሊ እዮም ዝጥቀሙ። ኣቐዲሞም ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝያዳ ዝእመኑ ንሳቶም ኔሩም ድሕሪ ምትእትታው ስማርት ተሌፎናት ግን ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ይቕረጽ ብምህላዉ ናብ ዓለም ክቃልዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ ኣብ ገለ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ግን ስርቒ፡ ምቕዓል ምዕናውን ኣባይትን ናይ ፖሊስ ንብረትን ተራእዩ። እዚ ድማ ነቲ ንጽቡቕ ተግባር ዝተላዕለ ሰልፍታት ብገለ ሰባት ሕማቕ ትንታነ ክህቡሉ ደፋፊኡ እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ብፖሊስ ይቕተሉ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2019 7 ሽሕን 666 ሰባት ኽቕተሉ እንከለዉ ካብዚኣቶም እቶም 2 ሽሕን 412 ጸዓዱ፡ 1 ሽሕን 262 ጸለምቲ፡ 887 ሂስፓኒክ ወይ ላቲኒ ክኾኑ እንከለዉ ዝተረፉ ድማ ካልእ ዓሌት እዮም። ምስ ብዝሒ ህዝቢ ተነጻጺሩ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ካብ ጸዓዱ ንላዕሊ ብናይ 2.5 ሚእታዊት ዕጽፊ ናይ ምቕታል ተኽእሎ ኣለዎም። ኣፍቃውያን ኣመሪካውያን 13 ሚእታዊት ካብ 328 ሚልዮን ህዝቢ ክኾኑ እንከለዉ ጸዓዱ ድማ 72 ሚእታዊት ይሽፍኑ ብምኻኑ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝግበር መቕጠልቲ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ናይ ኢድ ሽጉጥ ክሳብ ኣውቶማቲ ጠበንጃ ኣብ ድኳን ክግዛእ ዝኽኣል ብምኻኑ ኣብታ ሃገር ብዝተገብረ መጽናዕቲ 30 ሚእታዊት ብረት ከምዝውንኑ ክገልጹ እንከለዉ 43 ሚእታዊት ድማ ብረት ኣብ ዘለዎ ገዛ ከምዝነብሩ ይሕብሩ። ኣብታ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣጽዋር ይሽየጥ ብምኳኑ ናይ ብረት ዝውንኑ ሰባት ቁጽሪ ካብ ዝተተቕሰ ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ፖሊስ መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ዝግበር ናይ ተኹሲ ልውውጥ እዮም ሰባት ዝቐትሉ ንባዕሎም’ውን ይቕተሉ እዮም፡ እንተኾነ ኣብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን መሪካውያን ክበጽሑ እንከለዉ ተቐዳዲሞም ብረት ኣብ ምምዛዝን ሓይሊ ኣብ ምጥቃምን እዮም ዝጓየዩ ሓደ ሓደ እዋን ’ውን ፈጺሞም ብረት ንዘይብሎም ጸለምቲ ተኲሶም ክቐትሉ ይረኣዩ። ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝገብርዎ ዘይሚዛናዊ ፍርዲ፡ ጥርጠራን መቕተልትን ካብ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝተበገሰ ከምዝኾነ እዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ይኹን ካልኦት ዓሌታት ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝገብርዎ ስለ ዘይገብሩ።

ገለ ገለ እዋን ንኣብነት ፖሊስ ንጸለምቲ መራሕቲ መኪና ደው ኣቢሎም፡ ፍሬቻ መሐበሪ መብራህቲ ኣይወላዕካን፡ ሴማፎሮ ብጫ እንኮሎ ሓሊፍካ፡ መብራህትኻ ብግቡእ ይሰርሕ የለን፡ ዝብሉ ክስታት ብምምስራት ኣብምውጣጥ ከምዝኣትዉ ሸለል ኢልካ ክሕለው ወይ ብገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክውዳእ ዝነበሮ ብቕትለት ከምዝውዳእ መዛግብቲ ይሕብሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተለዓዒሉ ዘሎ ናዕቢ ዝተሓወሶ ኩሉ ዓይነት ሕብረተሰብ ዝተሓወሶ ሰላማዊ ሰልፍታት ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘበገሶኳ እንተኾነ ውጽኢትን ነጸበራቕን ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ፈለምቲ ዝተገብረ ምግሃስ ሰኣዊ መሰል ብምኳኑ ኣብ ሓጺር ግዜ ደው ክብል ትጽቢት የለን። ምስ ሰልፈኛታት ብምጽጋዕ ኣብ ስርቅን ምዕናው ንብረትን ዝተዋፈሩ ብምህላዎም ግን ትርጉም ናይቲ ሰልፍታት ክጨውይዎ ይረኣዩ ኣለዉ፡ ነዚ ብዝምልከት ፕረዚደት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስድራቤት ጆርጅ ፍሎይድ ፍትሒ ከምዝረኽቡ ብምምጽባዕ ኣመሕደርቲ ከተማታት ጸጥታ ከስፍኑ እንተዘይክኢሎም ሰራዊት ከዋፍር ከምዝኾነ ድሕሪ ምጥንቃቕ ኣብ ከም በዓል ከተማታት ዋሽንግተን ዲሲ ሰራዊት ጎደናታት ክሕልዉ ተራእዮም እዮም።

ፕረዚደት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክንዲ ሰልፈኛታት ከረጋግእ ዝፍትን ‘ስርቒ እንተሎ ጥይት ምቱካስ ኣሎ’ ዘብል ነገር ዘጓሃህር ቃላት ምጥቃሙን ሰልፈኛታት ሰራዊት ብምውፋር ከህድእ የፈራርሕ ብምህላዉን ብሓያሎ ተንተንቲን ፖለቲከኛታትን ዘይፕረዚደንታዊ ዘይሓላፍነታዊ ክብሉ ይገልጽዎ።

ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝበዝሕ መዐቀኒታት ክርአ እንከሎ ኣብ ዝተሓተ መነባብሮ ማለት ዝተሓተ ናይ ስርሕ ምርካብ ዕድልን ዝተሓተ ትምህርቲ ክረኽቡ እንከለዉ መብዛሕቶም ኣብ ዝደኸየ ከባቢታት ይነብሩ። እዚ ድማ ውጺት ናይቲ ንዘመናት ኣብ ልዕሊኦም ዝተገብረ ጉላነት፡ ዓሌታውነት፡ ኣፈላላይን ጸቕጥን ተነጽሎን እዩ።

ታሪኽ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣመሪካ ነዊሕ እኳ እንተኾነ ብሕጽር ዝበለ ግን ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ኣብ 1492 ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ንኣመሪካ ድሕሪ ምርካቡ ሓያሎ ንግስነታት ኤውሮጳ ሃብቲ ንምኽዕባት ኣብቲ ሓድሽ ተረኺቡ ዝተባህለ መሬት ወርቅ ኣልማዝን ካልእ ማዕድንን ክዕደን ልኡኻት ሰዲዶም እንተኾነ ከምቲ ዝተገመተ ወርቅን ኣልማዝን ክርከብ ኣይተኻእለን፥ ብኣንጻሩ ሰፊሕ ጎላጉል ኣመሪካ ንሕርሻ ምቹእ ምኻኑ ተገንዚቦም፥ ኤውሮፓውያን ሰፋሮ ብብዝሒ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ድማ ናይ ትንባኾ፡ ቃንጫ ሽኮርን ጡጥን ሕርሻታት ብሰፊሑ ክሓርሱ ጀሚሮም እንተኾነ እኹል ምህርቲ ክሓፍሱ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ይድሊ፥ ነዚ ንምምላእ ድማ ናብታ ድሮ ጊላነት ተኣታትዩዋ ዝነበረ ኣፍሪቃ ጠመተ ክገብሩ ጀሚሮም። ብከመይ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ናብ ኣመሪካ ከይዶም?

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ ይኹን ካልእ ክፋላይ ዓለም ጊላነት ድሮ ተኣታትዩ ብምንባሩን ፖርቱጋል ኣቐዲማ ኣብ 14 ክፍለዘመን ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ መንእሰያት ብምጭዋይ ኣብ ኤርውሮጳ ክትሸጦም ጀሚራ ብምንባራ ናብ ኣመሪካ ዝነበረ ጠለብ ጊላታት ብምርኣይ ሸቐጥ ጊላታት ናብ ኣመሪካ ኣቕኒዓቶ፥ ንፖርቱጋል ብምስዓብ ድማ ነጋዶ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኔዘርላንድን ዴንማርክን ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት እናጨወዩ መሸጣ ብመራክብ ናብ ኣመሪካ ከግዕዝዎም ጀሚሮም።

በዚ ካብ 15 ክሳብ 19 ክፍለዘበን ዝተኻየደ መሸጣ ገላዩ ኣስታት 12 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናብ ሰሜንን ደቡብን ከምኡ’ውን ደሴታት ካሪብያን ተሸይጦም፡ በዚ መገዲ ድማ ስሉስ ኩርናዓዊ መሸጣ ገላዩ ኣትላንቲክ ተፈጢሩ። እቲ ስሉስ ኩርና ድማ ከምዚ ይመስል፡ ኤውሮጳውያን ካብ ኣፍሪቃ ገላዩ ወሲዶም ናብ ኣመሪካ ይሸጥዎም፥ ብዝረኽብዎ ኣታዊ ካብ ኣመሪካ ጡጥ፡ ሽኮርን ትንባኾን ይገዝኡ፥ እቲ ዝገዝእዎ ምህርቲ ሕርሻ ናብ ኤውሮጳ ብምውሳድ ይሸጥዎ፥ ካብ ኤርውሮጳ ኣጽዋር ክዳውንትን ካልእን ብምግዛእ ናብ ኣፍሪቃ ከይዶም ንነጋውስን ኣመሓደርትን ኣፍሪቃ ይሸጡሎም፥ መሊሶም ድማ ገላዩ ሒዞም ናብ ኣሜሪካ ይኸዱ። በዚ ድማ ብዘይድሌቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝተጭውዩ ገላዩ ምንጪ ስሉስ ኩርናዓዊ ኣታዊ ንኤውሮጳውያን ይኮኑ ኔሮም።

ኣብ መሸጣ ኣፍሪቃውያን ገላዩ – ኣፍሪቃውያን ንግስነታት፡ ራእስታትን ኣመሓደርቲን ጭቃ ዓድ’ውን ዝዓበየ ተራ ተጻዊቶም እዮም፡ ምኽንያቱ ንሳቶም እቶም ናብ ናይ ኣንጻር ቀቢላታት እናኸዱ መንእሰያት ጨወዩን እናሃደኑን ንኤውሮጳውያን ይእክብሎምን ይሸጡሎምን ብኣቕሓን ኣፍጽዋርን ክዳውንትን መስትያት ከይተረፈ ይቀያየርዎምን ኔሮም።

ካብ ሑቕፊ ስድረኦምን ሕብረተሰቦምን ተመንጢሎም ናብ ኣመሪካ ዝኸዱ ኣፍሪቃውያን ከም ኣቕሓ ብጨረታ እናተአሸጡ ሰብ ዘይኮነ ትሕቲ ሰብ እናተሓስቡ ብጽዓዱ ዝውነኑ መብዛሕትኦም ኣብ ሕርሻ ናይ ጉልበት ስራሕን ጽሬትን ተዋፊሮም፡ ሓዳር ጌሮም ዝወለድዎም ብኡ ንብኡ ጊላ እናተሓስቡ ካብ ኣይኖም ተመንጢሎም ካብ ካልእ ክሽየጡ እናረኣዩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገሩ ካብ 1807 ክሳብ 1865 ድሕሪ 400 ዓመት በብደረጅኡ ጊላነት ብሕጊ ክኽልከል ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣፍሪቃውያን ገላዩ ካብ መላእ ደቡብ ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ብራዚል፡ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ከም ጀማይካን ሃይትን፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ኣብ ሕቡራትመንግስታት ኣመሪካ ተዘርጊሖም ኔሮም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጊላነት ዘይሕጋዊ ኮይኑ እኳ እንተተከልከለ ቀጺሉ ክፍለ ሃገራት ብዘተኣታተዎኦ ብ’ጂም ክረው’ ዝፍለጥ ሕጊ ፈለሊኻ ምግዛእን ንዝቐጸለ ልዕሊ 100 ዓመት ጸለምቲ ኣባይቲ ይኹን ናይ ሕርሻ መሬት ከይውንኑ፡ተቆጺሮም ስራሕ ከይሰርሑ፡ ትምህርቲ ከይመሃሩ ይእገዱ ኔሮም። ናይ ዜግነት መሰልን ኣብ ፖለቲካ ናይ ምስታፍን ምምራጽን ዕድል’ውን ተነፊግዎም ኔሩ። ገዛውቶም ንበይኑ ኣብያተ ትምህርቶም ንበይኑ ተፈልይሎም ብኣፈላላይ እናተመሃደሩ ኣብ ዝከዱሉ ዝነበሩ ድማ ኣብኩሉ እቲ ዘካይድዎ ንጥፈታት ከምቲ ንካልኦት ዝግበር ወፍሪ ኣይግበረሎምን ኔሩ።

ድሒሩ ኣብ 1950ታትን 60ታት ብማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ማልኮም ኤክስ ካልኦትን ተቓለስትን ድሕሪ ዝተገብረ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ምምራጽ መሰል፡ ናይ ምምራጽን ምውናን ኣባይትን መሰል፡ ናይ ትምህቲ መሰልን ካልእን እናተመሓየሸ መጺኡ።

ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ታሪክን ቁጠባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ጌሮም ክንሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝተገብረ ንዘመናት ዝቐጸለ ጸቕጢ፡ ዓሌታውነትን ኣፈላልይን ግን ዛጊት ጽልዋኡ ኣይሓደገን ዘሎ፡ ገለ ናይ ጊላነትን ጽልዋን ናይ ጸዓዱን ናይ ልዕልና ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጸዓዱ ስራሕ ከይቆጽርዎም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ከይሕውስዎም ዝገብርዎ ተግባር ዛጊት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጎ ፈዓዱን ጸለምትን ዘሎ ናይ ሃብቲ ጋግ ናይ 275 ዓመት ስራሕ ዝሓትት ኣዝዩ ገፊሕ እዩ። ምኽንያቱ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ካብ ጊላነት ነጻ ኮይኖም ሂወቶም ክመርሑ ክብገሱ እንከለዉ ብኹሉ መዳያት ማለት ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቁጠባን ካልእን ካብ ባዶ እዮም ተበጊሶም።

ተሪፉ ዘሎ መሰላቶም ንምምላእ ድማ ሓያሎ ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ‘ብላክ ላይስ ማተር’ black lives matter ኣብ ቃልሲ ብሰላማዊ መንገዲ ይርከቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ጸለምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 53 ሚልዮን፡ ብራዚል 15 ሚልዮን፡ ሄይቲ 8.5 ሚልዮን፡ ኮሎምብያ 5 ሚልዮን፡ ጀማይካ 3 ሚልዮን፡ ሜክሲኮ፡ ፔሩ፡ ካናዳ፡ ኩባን ደሞኒካን ረፖብሊክን ነፍሲወከፈን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክህልዉ ከለዉ ኣብ ዝተረፋ ሃገረ ደቡብን ሴሜንን ኣመሪካ ድማ ዘይነዓቕ ቀጽሪ ኣለዉ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles