back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣካያዲ ጉዳያት ኢምባሲ ጀርመን ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ኤርትራ ተጸዊዑ

ኣካያዲ ጉዳያት ኢምባሲ ሃገረ ጀርመን ኣብ ኤርትራ፡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ናብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሚኒስትሪ ከምዝተጸወዐ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ብ ሓሙስ 25 ነሓሰ 2022 ንግሆ ኣፍሊጡ። ብምሰረት ሚኒስትር የማነ፡ እቲ ኣካያዲ ጉዳያት ኢምባሲ ጀርመን ብዛዕባ እቲ ብ 20 ነሓሰ 2022 ኣብ ጀርመን ከተማ ግሰን ዘጋጠመ ፍጻመ ዝምለከት፡ ህጹጽነትን ክገሃስ ዘይብሉን ምትግባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ’ቶም “ ፈጸምቲን ደገፍትን ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ግሰን” ኢሉ ዝግለጾ ፍጻሜ ኣትሪሩ ንምዝርራብ ምዃኑ ሓቢሩ። ጽንሕ ኢሉ ኢቲ ሚኒስተር ነታ “ፈስቲቫል “ ትቢል ብ“ባህላዊ መደብ” ክቢል ኣሪምዋ።

እቲ ሚኒስተር ጸኒሑ ዝኣረሞ

ቀዳም 20 ነሓሰ 2022፡ ኣካል ናይ’ቲ ብግጁለ ባህሊ ዋልታ ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ባህላዊ ምርኢት፡ ኣብ ከተማ ግሰን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ መደብ፡ ኣብ ሞንጎ ነቲ ፍጻሜ ዝጻረሩን ኣብቲ መደብ ክሳተፉ መጽዮም ዝነበሩ ደገፍቲ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስትን ብዝተፈጥረ ግርጭት ከምዝተሰረዘ ይዝከር። እቲ ዓመታዊ ዝግበር ፈስቲቫል ኤርትራ ድማ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles