ትካል ቢቢሲ ከምዝጸብጸቦ፤ እቲ ዝሓለፈ 23 ዓመታት፤ ስልጠናታት ማሺነሪታት ሕርሻ፤ ምፍራይ ዘርእትን እንስሳን ምዕቃብ ሓመድን ኪሂብ ዝጸነሐ ብላሳለ ብራዘርስ (De La Salle Brothers) ዝተባህለ ማሕበር ካቶሊክ ዝካየድ ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ናብ ምሉእ ቁጽጽር መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ። ኣቲ ቤት ትምህርቲ፤ ዝተፈላለዩ ከም ሻልኩ ዋይን፤ ግራፓ ዝተባህለ ኣልኮላዊ መስተን ማልማላታን ብምፍራይ ውን ይፍለጥ ይቢል ጸብጻብ ቢቢሲ። ብዘይካ እዚ፤ ካብ ጸባ ከብቲ፤ ርግኦን ፋርማጆን ገለ ካብ ፍሪያት ናይቲ ትካል ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
እዚ ቤት ትምህርቲ 312 ተማሃሮ ናይ ሚሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ከምዝኾነን፤ ጠቕላል 63 ሰራሕተኛታት ካብዝኦም 3 ኣባላት ማሕበር ዲ ላ ሳለ ብራዘርስ ምዃኖም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትካል ዘሎ ሰነድ የረድእ፣
ብካልእ ወገን፤ እቲ ኣብ ደቀምሓረ ዝርከብ ብካቶሊክ ዝውነን ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ዶንቦስኮ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ንመንግስቲ ክትርከብ ምዃና ጸብጻብ ቢቢሲ የረድእ።
ኣብ ዝተፈላለያ ካባቢታት ኤርትራ ዝርከባ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካል ጥዕና ውን በብእዋኑ ብመንግስቲ ኤርትራ ክህገራ ምጽነሐን ሰነዳይ ይሕብሩ።