ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ትግራይን ሰንተራል ኮማንድን፡ ኣቶ ገታቸው ረዳ ን ኣሶስየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፤ ነቲ ናብ ክልተ ዓመት ተጸጊዑ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ መዓልቦ ንምንዳይ፤ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ዘተ እተካይድ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘለዎም ኣባላት ዝሓቖፈት ግጁለ ናብ ኬንያ ንምስዳድ ድልዋት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።
ኣፈኛ ህወሓትን ሰንተራል ኮማንድን ፡ኣቶ ገታቸው ረዳ ኣስዒቡ፤ “ንዓና፡ ክሉ ናይ ዝርርብ መስርሕ ብሕብረት ኣፍርቃ ምክያድ ዘይሓላፍነታዊ ኢዩ፡” ድሕሪ ምባል፤ “ዝኾነ ዝርርብ ን ፕርዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዘሳተፈ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ይሕብር።
ካብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝተረኽበ ሓበሬታ ይኹን ካብ ገታቸው ረዳ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይታ ቖይማ ዘላ ጉጁለ ዝርርብ ሰላም ዝምልክተ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጱያ ሸውዓተ ዝኣባላታ ብምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ትምራሕ ጉጁለ ዘተ ሰላም ከምዝቆመት ዝፍለጥ ኮይኑ ፤ ኣብ ሓምለ 12 ናይ መጀመሪያ ርክባ ከምዘቃነዐት ይዝከር። ብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ እቲ መስርሕ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ከምዘለዎ ክጽቀጠሉ ከሎ፤ ህወሓት ግን ብሽምግልና ኬንያ ክካየድ ከምዝደልዩ ብተደጋጋሚ ክገልጽዎ ጸኒሖም ኣለው።