ፕረዚደንት ሶማል ሑሴን ሸኽ ማሕሙድ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ 9 ሓምለ 2022 ኣስመራ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ። ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕበር ከም ዘሎ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ፕረሲደንት ኰይኑ እተመርጸ ሑሴን ሸኽ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ነዚ ዑደት ይፍጽሞ ከም ዘሎ ክገልጹ እንከለዉ፡ ንዝርዝር ትሕዝቶ ዕላማ ዑደቱ ብዝምልከት ግን ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ግን የለን።
ሑሴን ሸኽ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ሶማል ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ዝፈጸመለን ሃገራት ክሳዕ ሕጂ ቱርክን ኤርትራን ኰይነን ኣለዋ። ፕረዚደንት ሑሴን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብማርሺንባንድ እተሰነየ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ከም እተገብረሉ እዩ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝወጹ ሓበሬታ ዘመላኽቱ።
ኣብ ኤርትራ ኣስታት 5000 መንእሰያት ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝወሰዱን፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ብነጻ ኣካል ዘይተረጋገጸ ክሲ ከም ዘሎን ዝዝከር ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ሶማል ነበር ፋርማጆ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ስልጣኑ ንሑሴን ሸኽ ማሕሙድ ከረክብ እንከሎ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘካይዱ መንእሰያት ሶማል ኣብ ኤርትራ ከም ዘለዉ ከም እተኣመነ ይዝከር።