back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ኲናት ከምዝተኻየደ ተገሊጹ

ወተሃደራዊ  ኮማንድ ፖስት ትግራይ ሎሚ 30 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓደ ኣብዓላን፡ ሕረትን ዓደ ኣምሓራን ኲናት ከምዝተኻየደን፡ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈንይለይ ንዝበሎ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸሎን፡ ኣስታት ኣስታት 120 ምውታትን፡ 195 ቁስላትን 4 ድማ ከምዝማረኸን ብምግላጽ፡ ብወገን ኤርትራ ነዚ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ክርከብ ኣይተኻእለን ዘሎ።

እዚ ካብ ባድመ ንሸነኽ ደቡብ ዝተኻየደ ኲናት ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከምዚ መግለጺ የውጽእ ምህላዉ ይሕበር።

ህወሓት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ክወጽእ፡ ብዙሕ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ክጠርዕ ምጽንሑ ብምሕባር ሕጂ’ውን ንክውጹ ድፍኢት ክገብር ይጽውዕ ክብል ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ክልል ትግራይን ኣዝዩ ከቢድ ደበና ኲናት ዝዓብለሎ ወጥሪ ከምዘሎ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles