ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ሎሚ 30 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓደ ኣብዓላን፡ ሕረትን ዓደ ኣምሓራን ኲናት ከምዝተኻየደን፡ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈንይለይ ንዝበሎ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸሎን፡ ኣስታት ኣስታት 120 ምውታትን፡ 195 ቁስላትን 4 ድማ ከምዝማረኸን ብምግላጽ፡ ብወገን ኤርትራ ነዚ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ክርከብ ኣይተኻእለን ዘሎ።
እዚ ካብ ባድመ ንሸነኽ ደቡብ ዝተኻየደ ኲናት ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከምዚ መግለጺ የውጽእ ምህላዉ ይሕበር።
ህወሓት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ክወጽእ፡ ብዙሕ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ክጠርዕ ምጽንሑ ብምሕባር ሕጂ’ውን ንክውጹ ድፍኢት ክገብር ይጽውዕ ክብል ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ክልል ትግራይን ኣዝዩ ከቢድ ደበና ኲናት ዝዓብለሎ ወጥሪ ከምዘሎ ይሕበር።