back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ዶክተር ትምኒት ገብሩን ኣብ ዝርዝር 100 ጸለውቲ ሰባት ዓለምና ተረቊሖም

ታይም (Time)  ዝተባህለ መጽሄት፡ ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር 100 ጸለውቲ ሰባት ኣብ ዓለምና፡ ን ቀደማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ፡ ክኢላ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (Artificial Intelligence) ዶክተር ትምኒት ገብሩን ከምዝረቖሖም ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድና ብምምሓያሽን ዘርኢ ሓድሕድ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ብምዝርኡን፡ ሓደ ካብ 100 ጸለውቲ ሰባት ዘርዝር ስም ናይ 2022 ክረቖሖ ከሎ፡ ዶክተር ትምኒት ገብሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትካል ጎጒል ንዝበረ ዓሌታዊ ኣድልዎን፡ ናይ ኣሰራርሓ ሽግራትን ብምንቃፋን፡ ካብቲ ስራሕ ምስጓጋን፡ ዝፈጠረቶ ሓድሽ ትካልን ኣመልኪቱ፡ ከምዝረቖሖም መጺሄት ታይም ኣፍሊጡ። “ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዝምድና ብምሕያሹን ናይ ሰላም ስምምዕ ብምግባር ንብዙሓት ናይቲ ከባቢ ናይ መቐይሮ ተስፋ ሂቡ እዩ” ከምኡ’ውን “ዘርኢ ሓድሕድ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሪኡ” ድሕሪ ምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብምኽንያት ሰብኣዊ ሓገዝ ኲናት ደው ክብል እኳ ተገበረ፡ ክሳብ ሕጂ ከምቲ ዝድለ እኹል ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ብዘይ ምእታዉ፡ ከምቲ ናይ ወርሒ ሰነ 2021 ዝነበረ ናይ ስትራተጂ ውሳነ ዝወሰዶ እዩ ክብል ወኪል መጽሄት ታይም ዝኾነ ቤከር ይገልጽ።

ኣብ ናይ 2022 መጽሄት ታይም 100 ጸለውቲ ሰባት ዓለምና፡ ካብ ኣህጉር እፍሪቃ 4 ሰባት ይርከብዎም። ፕረዚደንት ታንዛኒያ ዝኾነት፡ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ኣብ መንጎ ተቀናቐንቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣፍደገ ምይይጥ ብምኽፋታን፡ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ብምምራጻን፡ ኣርኣያ ን ደቀንስትዮ ሃገራ ብምዃን ሓንቲ ካብቶም 100 ጸለውቲ ሰባት ኣብ ዓለምና ክትከውን ኣብቂዕዋ ይርከብ።

ኣብዚ ናይ 2022 መጺሄት ታይም 100 ጸለውቲ ሰባት ዓለምና ከም ቀደማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረሲደንት ዩክረይን ኣብ ሓደ ብምክታቱ ኣዛርቢ ኮይኑሉ ከምዘሉ ክሕበር ከሎ፡ እቲ መጽሄት ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ እቲ መምዘኒ ናይቶም ውልቀሰባት ባህርያት ብኣወንታ ወይ ብ ኣሉታ ዝፈጠርዎ ጽልዋ እዩ ክብል ምላሽ ሂቡ።

ቀደማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ 2019 ሓደ ካብቶም 100 ጸለውቲ ሰባት ኣብ ዓለምና ዝርዝር ተኻቲቱ ከምዝነበረን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት በቲ ኣሉታዊ ጽልውኡ ዘበርከቶ ኣብቲ ስም ዝርዝር ከምዝተኻተተን ተንተንቲ ናይቲ ከባቢ ይገልጹ። ቤት ጽሕፈት ቀደማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ናብ መጽሄት ታይም ናይ ቅሬታ ደብዳቤ ከምዝላኣኸ ክፍለጥ ከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን መጽሄት ታይም ነቲ ናይ ቅሬታ ደብዳቤ ዝሃቦ መልሲ ከምዘየለ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles