back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሓሙሽተ ሽሕ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራ ከምዝተላእከ ፕረዚደንት ሶማል ተኣሚኑ

ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሶማል ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ንመጀመርታ ግዜ ተኣሚኑ። እቲ ፕረዝደንት ኣስዒቡ፡ ምምላስ እቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ተዓላሞ፡ ፖለቲካዊ ህውከት ንምውጋድ ከምዝደንጐዩ፡ ብሉምበርግ ዝተባህለ ትካል ብ24 ግንቦት ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ገሊጹ።

ምስጢር ምዕስካርን ምልኣኽን እቶም ወተሃደራት ናብ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሶማልያ ተቓውሞ ከምዘለዓዓለን፡ ስድራቤቶም ደቆም ኣበይ ከም ዘለዉ ስለዘይተነግሮም ምግሩምራም ኣኸቲሉ ምንባሩ ይዝከር።
ፕረዚደንት ዓብዱላህ ፋርማጆ እቶም ወተሃደራት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ምስ ሰራዊት ሶማልያ ክጽንበሩን ነቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ጸገማት ኣብ ምትህድዳእ እጃሞም ከበርክቱ ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ።

“ስልጠና ንምርካብ ዝዓበየ ወተሃደራት ሰራዊትና ናብ ኤርትራ ሊእኽና” ድሕሪ ምባል “እዞም 5,000 ዝዀኑ ሓይልታት እዚኣቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝሰልጠኑ እኳ እንተ ነበሩ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ምርጫን ግን ምምላሶም ናብ ካልእ ግዜ ተመሓላሊፉ።” ክብል ኣብቲ ብ ሶኒ 23 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ ስልጣን ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕዳር 2020 ኣብ ዝተወለዐ ነውጺ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ዝጸንሑ ወተሃደራት ሶማል ከምዝተሳተፉ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝኾነ ወተሃደር ሶማል ከምዘይተሳተፈ ክሕብር ጸኒሑ እዩ። ኣብ 2021 ሓላፊ ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ፓርላማ ሶማል፡ ገለ ካብ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ክዋግኡ ከለዉ ከም ዝጠፍኡ ዝገልጽ ጥርዓን ክምርመር ከምዝሓተቶን ምክትል ሓለቓ ክፍሊ ስልያ ሶማልያ ነበር ድማ ንሓንቲ መደበር ተለቪዥን ሶማል ብኣማኢት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሶማል ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ግጭት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ ምንባሩ ብተወሳኺ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles