ናትናኤል ተስፋጽዮን ሻብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 15 መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ 25 ዝኣባላታ ጉጅለ ሃዲሙ ድሕሪ ምውዓል፡ መበል ሻብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ኣብዚ ውድድር ብሉጽ ብቅዓት ዘርእዩ ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ፡ ኣብ ቀዳሞት 10 ብምዃን ናትናኤል ውድድሩ ኣብ ምፍጻም ይርከብ። ብዘይካዚ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ናይ ዓቀበት ድምር ውጽኢት ምስ 10 ብሉጻት ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ታሪኻዊ ዓወት ዝሰነደ ቢንያም ግርማይ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ናይ ዓይኒ ማህርምቲ፡ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ኣብ ዕረፍቲ ይርከብ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት