ኣብ ዓስራይ መድረኽ ውድድር ታሪኽ ብምስናድ ዝተዓወተ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ፡ ቢንያም ግርማይ ብሰንኪ ኣብ ግዜ ምዕዳል ዘጋጠሞ ናይ ዓይኒ ማህረምቲ፡ ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት ዝህሉ መድረኻት ከምዘይሳተፍን፡ ክሓውን ከዕርፍን ምዃኑ፡ ኣብ ወግዓዊ ናይ ኢንስታግራም ኣካውንቱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።
ቢንያም ግርማይ “ንብምልእኹም ተገዲስኩም ዝጸሓፍኩለይ ደገፍ ዝሃብኩምን የመስግን” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ውድድራት ዘይምህላወይ የጉህየኒ እዩ፡ እንደገና ምስ ደቂ ጋንታይ ኮይነ ምስቶም ብሉጻት ተወዳዳርቲ ክቃለስ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ ኔረ፡ እንተኾነ ግን ደው ከብልን ክሓውን ንእተወሰነ መዓልታት ከዕርፍን ኣለኒ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንራኸብ” ብምባል ትማሊ ንዘጋጠሞ መጓዳእቲ ደሓን ምዃኑ ኡኳ ጋንትኡ ተሓብረት፡ ቢንያም ግን ኣብዚ ጸወታ ዝመጽእ መዓልታት ዘይምህላዉ ሓቢሩ ይርከብ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ ስልማት ግዜ፡ ንጽንብል ዝተዳለወ ሻምፓኛ እናከፈተ ከሎ፡ መኽደን እቲ ሻምፓኝ ነጢሩ ዓይኑ ከምዝሓረሞን ብኡ ንብኡ ናብ ሕክምና ከምዝኸደን፡ ዝተፈላለያ ማዕከን ሓበሬታ ምግላጸን ይዝከር።
ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ግራንድ ቱርስ ስሙ ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ጥርዚ ሓጎስ ዘደየበ ዓወት ትማሊ ምምዝጋቡ ይዝከር።
ሰቲት ሜድያ ነዚ ሓበን ኤርትራ ዝኾነ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ፡ እንቋዕ ሓገሰካ ብምባል፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ሙሉእ ጥዕንኡ ናብ ጸወታ ክምለስ ትምኒትና ንገልጽ።