ብ ሃገራዊ ምምሕዳር ጠፈርን ህዋን ናሳ(Nasa) ዝተመወለ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ፍሎሪዳ፡ ካብ ወርሒ ዝተኣከበ ሓመድ ኣተክልታት ከምዘዕበዩ፡ ብሓሙስ ኣብ መጽሄት ኮሚዩኒኬሽን ባዮሎጂ ዝተሓትመ ጽሑፍ የመልክት።
እዚ መጽናዕቲ ናሳ ኣብ ዳህሳስ ህዋ ደቂ ሰባት ንዘለዎ ናይ ነዊሕ እዋን ዕላማታት ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ዘመልኻት እዩ ክብል፡ ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ኔልሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ከቢድን ኣሸጋርን ኩነታት ክሊማ ንዝዓብዩ ኣታኽልታት እውን ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ወሲኹ ይገልጽ።
“ኣብ ወርሕን ማርስን ዝርከቡ ጸጋታት ተጠቒምና ንመጻኢ ኣብ ዓሚቝ ጠፈር ዝነብሩን ዝንቀሳቐሱን ጠፈርተኛታት ምንጪ መግቢ ምምዕባል ከድልየና’ዩ” ይብል ኔልሰን።
ኣብቲ መጽናዕቲ ተመራመርቲ፡ ዘርኢ “ኣራቢዶፕሲስ ታልያና” ምስ ሓምላይ ኣድሪ ዝተኣሳሰር ተኽሊ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ከም “ብሮኮሊን” “ኮሊፍላወር” ን ሓዊሱ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣሕምልቲ – ካብ ሓመድ ወርሒ ዘተረክበ ሓመድ ምትካል ነቲ መጽናዕቲ ከምዘካየድዎን፡ ብተወሳኺ’ውን እቶም ተመራመርቲ ንምንጽጻር፡ ነቲ ዘርኢ ኣብቲ ንሓቀኛ ወርሓዊ ሓመድ ብቐረባ ንምምሳል ዝተዳለወ ናይ ወርሒ ሓመድ ምምሳል እውን እቲ ዘርኢ ድሕሪ ምትካል ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክበቁል ምጅማሩን ሓቢሮም።
“ተኺልናዮም፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንመጀመርታ ግዜ ክንርእዮም ከለና ተመሊስና ምስ ኣተና፡ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ተኽሊ፡ ኩሎም ፈልስታት ክበቁሉ ምርኣይ ዘገርም እዩ ነይሩ” ይብል ዳይረክተር ናይቲ መጽናዕቲ ዝኾነ ፖል ካብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ።
ኩሎም እቶም ዘርኢ እኳ እንተበቖሉ፡ እቶም ኣብ ወርሓዊ ሓመድ ዝበቖሉ ግን ከምቲ ኣብ ቁጽጽር ዝነበሩ “ጽኑዓት” ከምዘይዓበዩ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ይሕብር። ገለ ካብቶም ኣብቲ ናይ ወርሒ ሓመድ ዝበቖሉ ተኽልታት፡ ሱሮምን ቆጽሎምን “ዝደኸመ” ከምኡ’ውን ገለ “ቀይሕ ዝሕብሩ ሕብሪ” ከም ዝነበሮም እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ይሕብር።