back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ፕረዚደንት መሓመድ ፈርማጆ፡ ንዕዉት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ሓሰን ማሕሙድ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢሉ

ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ሶማል ኮይኑ ዝመርሐ፡ ኣብዚ ትማሊ 15 ግንቦት ዝተኻየደ ምርጫ ዝተሳዕረ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ፈርማጆ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንዕዉት ዓስራይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፡ ሓሰን ማሕሙድ እንቋዕ ሓግሰካ ብምባል፡ ኩሎም ዜጋታት ክሕግዝዎን ክጽልይሉን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት መሓመድ ፈርማጆ፡ ኩሎም ነዚ ምርጫ ዕዉት ንክኸውን ዝሰርሑ መጎሰይ እገልጸሎም ክብል ተዛሪቡ።

ንሓደ ዓመት ብሰንኪ ግርጭትን ስልጣንን እኹል ምድላዋት ዘይምግባርን ክደናጐ ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፡ ትማሊ 15 ግንቦት ከምዝተኻየደን፡ ኣብ ሻሙናይ ምርጫ ተዓዋቲ ኮይኑ ንሓሙሽተ ዓመታት ንሶማል ዝመርሐን ሓሰን መሓሙድ ከምዝተዓወተ ኣብ ዜናና ምግላጽና ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles