back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ልኡኻት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዶም

ብ ዳይረክተር ተጸዋዒ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማርሰል ኣኮፕቮ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዝገብረን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን መሻርክቲ ወክልቲ ዉዱብ ሕቡራት ዝኾኑ ከምዝተራኸበን፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉዱብ ሕቡራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ልኡኽ ምስ ሚንስተር ፍትሒ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ሚንስተር ዜናን ኣምበሳደር ተስፍሚካኤል ገራህቱን ከምዝተራኸበን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ተክኒካዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ዘተ ከምዝገብረን እቲ መግለጺ ይሕብር።

ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዘተኮረ ሕግታት ኤርትራ፡ ን ኣተጋባብራ ብ ሰብኣዊ መስላት ካውንስል ዝተዋህቡ ለበዋታት፡ ኣብ ምምሕያሽ ተክኒካውን ኤለትሮኒካዊ ፍትሒ ኣብ ምሃብ ንክህሉ ዘኽእል ምትሕግጋዛት ካልእን ሓዘል መግለጺታትን መብርህን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዋህቦን ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ዝነበረ ርክብ ሓደ ዕድል ንክፉት ዝኾነ ምይይጥ፡ ብዛዕባ ኣብ ኲናትን ግጭትን ትግራይ ዘተኮረ፡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ መረዳእታን ኣጠማምታን ንክሰምዕ ንተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝኾኑ ዘለዎም ግዴታታት ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ምምይያጥ ከምዝነበረን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዙሓት ዳይርክተራትን ልኡኻትን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles