መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ 25 ኪሎሜተር ኣብ ከባቢ ዶባት ምንቅስቃስ ከይገብሩ፡ ኣብ ናይ ጉዑዞ ሓበሬታን መጠንቀቕታን ብምሃብ ክሳብ ሕጂ ዶባት ኤርትራ ዕጽው ሙዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣህጉራዊ በራራት ግን ክፉት ከምዘሎ ገሊጹ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ብ ዕለት 12 ሚያዝያ 2022 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ኤርትራ ዝግበር መገሻታት፡ ዜጋታቱ ኣቐዲሞም ምእታው ናብ ኤርትራ ዘደሊ ቕጥዕታት ከማልእዎ ዝግብኦም ክፈልጡን፡ ብዘይ እኹል ቅድመ መጠንቀቕታ እቶም ክማልኡ ዘለዎም ቅጥዕታት ክቅየሩ ከምዝኽእሉ ይሕብር።
ኣብቲ ዝወጸ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ ኤርትራን ዓባይ ብሪጣንያን ዜግነት ዘለዎም ዜጋታት ከምኡ’ውን ዋላ መዓልቱ ዘሕለፈ ናይ ህግደፍ ወረቐት ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዜግነት ዘለዎም፡ ከም ኤርትራውያን ስለ ዝርእዮም፡ ማእሰርትን ካልእን ኣብ ዘጋጥመሉ ፡ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣድላዪ ዝበሃል ናይ ኤምባሲ ሓገዝ ክገብርን፡ ሓበሬታ ምርካብ ከምዘይክእል ብምሕባር፡ ዜጋታት ጥንቃቀ ክገብሩ ሓቢሩ።
እዚ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወጸ መጠንቀቕታ መበግሲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዝተፈለጠ ሓበሬታ የለን። ብሰንኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዝርከብ ኲናትን ፖሎቲካዊ ሽግራትን ብዙሓት ሃገራት ከጠንቅቃ ምጽንሐን ይዝከር።