ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ (ዳባት) ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ሞይቱ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ዝተባህለ ተደኲኑ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምናን መጓዓዝያን ህይወቱ ክሓልፍ ከምዝኸኣለ፡ ራድዮ ኤረና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቲ ኣብ 35 ዕድመ ዝርከብ ዝነበረ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሕማም ኣብ ዝተጠቅዓሉ ግዜ፡ እኹል መድሃኒትን፡ ናብ ካልእ ሕክምና ዝሰጋገረሉ መጓዓዝያን ክርከብ ብዘይምኽኣሉ እዩ ዓሪፉ።

ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ ሓድሽ መዓስከር ይእከቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣብቲ ከባቢ መስተ ሰትዮም ብረት ዝሓዙ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ባእሲ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምቋሳሎም ይዝከር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ