ንመበል 17 ግዜ ዝሰላሰል ዘሎ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሎሚ 24 መጋቢት ንመበል ካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣኽሊሉ ኣረፈ ቀዳማይ ብምውጻእ ወርቂ መዳልያ ክዕወት ከሎ፡ ዮናስ ተኪኤ፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ዳናይት ፍጹም ድማ ኣኣብ ደረጃ ምድቦም ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ብሩር ክሓፉ ከለዉ፡ ሳሮን ተኪኤ ድማ ነሓስ መዳልያ ብምዕታር፡ ብድምር 10 መዳላልያታት ኣብ ኢዶም ኣኪቦሞ ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣስታት 30 ወርቂ፡ 8 ብሩርን 7 ነሓስን ዝወነነት ኤርትራ፡ ንውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሒታቶ ትርከብ። ኣብዚ ውድድር ኣስታት 20 ተቐዳደምቲ ብምኩራት ኣሰልጠንቲ ሳምሶን ሶሎሙን፡ ዮሴፍ ተኽላይን ዮናስ ዘካርያስን እንተኣልየትያ ውድድራ ዓወታት ክትሓፍ ጀሚራ ዘላ።
ሰቲት ንሙሉእ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ደጊምና እንቋዕ ሓጎሰና እናበለት፡ ዝቅጽሉ ውድድራት ኣብ ዓቢ ዓወት ክትሓፍሱ ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።