back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ኣብ ዩክረይን ዓሌታዊ ኣድልዎ የጋጥሞም

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ወራር  ድሕሪ ምጅማራ ኣስታት ሽዱሽተ ምኢቲ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደድ ከምዝኸኣሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብ ዝተፈላልየ ምኽንያትን ብ ምኽንያት ትምህርትን ኣብ ዩክረይን ዝነበሩ ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ካልኦትን ናይ ዓሌት ኣድልዎ የጋጥሞም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ካብ ዩክረይን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምኻድ፡ ኣውቶብስን ባቡርን ንክጥቀሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ብ ሓይልታት ጸጥታ ንከይስቀሉ ከምዝተኸልከሉን፡ ቀዳምነት ን ዩክረናውያን ከምዝዋሃብን፡ ኣብ ገለ እዋን’ውን ብበትርን ሓይሊ ብምጥቃምን ካብቲ ከባቢ መሳፈሪ ቦታ ክእለዩ ከምዝግበርን ዝተረኽቡ ሓበሬታት የመልክቱ።
ገለ ብርክት ዝበሉ ኣብ ዶብ ፖላንድ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፡ ንክኣትው ከምዝተኸልከሉን፡ ኣደዳ ብርቱዕ ኣሳሓይታን ቁሪን ክኾኑ ኮይኖም፡ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዝርከቡ ማዕከናት ዜና ይሕብራ። ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማዕከናት ሓበሬታን፡ ዝኾና ትካላትን ብ ምስልን ቃለ ምስክረነትን ግዳያት ብዝተደገፈ ናይ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ነቲ ዘለውዎ ኩነታት ዝገልጹ ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ንጉዳይ ኣፍሪቃውያን ኣመልኪቱ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣፍሪቃውያን ንበይኖም ተነጺሎም ዓሌታዊ ኣድልዎን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጋጠሞም ድሕሪ ምኹናን፡ ኩሎም ሰብ ማዕረ መሰል ብዘይ ናይ ዓሌትን መንነትን ኣድልዎ፡ ማዕረ ዝኾነ ኣጎልጉሎት ክረኽቡ ይግባእ ክብል ከሎ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ብመሰረት ውዑላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ኲናትን ግጭትን ዘለዎ ከባቢ ዝሃድሙ፡ ብሰንኪ ሕብርን ዓሌትን ዝወሃብ ኣጎልጉሎት ፍልልይ ክፍጠር ኣይግብኦን ክብል ነቲ ተግባራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዩክረይን  ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ዝግበር  ዓሌታዊ ኣድልዎ  ብትሪ ኮኒንዎ።
መንግስቲ ህንዲ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ዘጋጠመ ክኹኑኖ ከሎ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዩክረይን ዝበጽሑ ህንዳውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ መስርሕ ከምዝጀመረ ይሕብር። ኣፈኛ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግዳያት ናይዚ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዩክረይን ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ንምሕጋዞም ኣድላዪ ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ከምዘለዉ ይሕብር።

ኣብ ዩክረይን ልዕሊ 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይጥቀስ ኡኳ እንተሎ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝምልከት ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተፈለጠን ዘሎ። ኣብ ዩክረይን ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ናብ ካልእ ገጹ ከይልሕምን፡ ጠንቂ ዓብዩ ኲናት ሃገራት ከይከውን ተሰጊኡ ምህላዉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles