ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ትሕዝቶታት ሰቲት ናብ ካልእ መረበብ ብዘይሕጋዊ ክሰጋገርን ውንነት ክቅየርን ተረኺቡ።  

ብተፈትዊ ቶክ ሸው ትካየድ ዌብሳይት (TEFETAWI SHOW.com) ልዕሊ 10 ጽሑፈት ሰቲት ዌ ብሳይት(www.setit.org) ብዘይ ፍቃድ ብምወሳድ፡ ን ሰም ናይቶም ነቲ ትሕዝቶ ዘፍረዩ ጋዜጠኛታት ብስም ተፈታዊ ሸው ብምትኻእን ነቲ ዜይናዊ ስርሓት ከም ተፈታዊ ሸው ከምዝሰርሖን ከምዘዳለዎን  ብምምሳል  ኣብቲ ተፈታዊ ሸው ዝብል ዌብሳይት ኣስፊርዎ ከምዝነበረ ብ ዕለት 26 ለካቲት  ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ክንፈልጥ ክኢልና ። ኣብ ሳዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡  ከውርዶ ከምዘለዎ ድሕሪ ምሕባር፡  ኣውሪድዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሰቲት ብተደገጋሚ ገለ ገለ ጽሑፋታ ካልኦት ክጥቀምሉ እካ ይግንዘብ እንተ ጸንሐ፡ እዚ ተርእዮ ፍሉይ ዝገብሮ ልዕሊ 10 ስራሓት ሰቲት ብምልኡ ከምዘለዎ ተውሲዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስም ናይቶም ዘፍርይዎ ጋዜጠኛታት ሰቲት ተቀይሩ ብስም ተፈታዊ ሾው ተተኪኡ ኣብዛ መርበብ ሰፊሩ ብምንባሩ  ዝያዳ ዘተሓሳስብ ይገብሮ።  

ሰቲት ነቲ ንዝምልከቶ ኣካል ተዛሪባ ስርሓት ሰቲት ብዘይፍቃድ ተወሲዱ ዝነበረ ካብቲ  ዌብሳይት ክወጽእ ጌራ ኣላ። ንእፍልጦ ክኽውን ፡ ከምዚ ዓይነት ብገበን ዘሕትት ምኻኑ ክፍለጥ ዘለዎ ኮይኑ፡ ምጥሓስ DMCA (Digital Millennium Copyright Act)  ይብሃል።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ