back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መንግስቲ ቻይና፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ

ዋንግ ዪ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ብ ዕለት 22 ለካቲት 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ን ኣምበሳድር ቻይና ኣብ ፓፓ ጒኒ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኣምበሳድር፡ ዡ ቢንግ፡ ፍሉይ ልዑኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝመዘዞ ሓቢሩ። ዥ ቢንግ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኦሻኒያን ኣመሪካን ከም ዲምፕሎማት ኮይኑ ዘገልገለ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ተመክሮ ከምዘለዎ፡ ዝተረኽበ መግለጺ የረድእ። ብመሰረት መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ዕላማ ናይዚ ልኡኽ፡ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዘላቂ ምርግጋእ፡ ምዕባለን ብልጽግናን ንምውሓስ ሙዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር። 

ሃገረ ቻይና ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ብርክት ዝበለ ረብሓታት ከምዘለዋ ይግለጽ። ን መስመር መተሓላለፊ ንግዳዊ ንጥፋታት ኣብ ቀይሕ ባህሪ ምውሓስ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ጁቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋን፡ ን ኢትዮጵያ ካብተን ብብዝሒ ዘለቅሐት ሃገር ክትከውን ከላ፡ ኣብ ዱቡብ ሱዳን ብተወሳኺ ዓቢ ወፍሪ ኣብ ኩዕታ ነዳድን ሰደድን ዝገበረት ሃገር ምዃና ይግለጽ። 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ብ ሚኒስተር ዋንግ ዪ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ድሕሪ ምብጻሕ ምግባሩ፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ክመዘዝ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ምብራቅ ኣፍሪቃ ረብሓታተን ከውሕሳ ብዝደልያ ዓበይቲ ሃገራት ክቢድ ዲፕሎማስያዊ ቁሩቁስ ይካየደሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles