ትማሊ 15 ለካቲት ኣብ ዝወጸ ደረጃ ሃገራት፥ ጋንታትን ውልቀ ተቐዳደምትን፥ ኤርትራ ንደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን መሪሓ፣ ብ2044 ነጥቢ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ ከላ፥ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያብ ጊብሰንን ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስን ብምምራሕ ብ877 ነጥቢ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዖም ይርከቡ።
ኣብ ተርታ ደረጃ ኣፍሪቃ ኤርትራን ቢንያም ግርማይን ደረጅኦም ምዕቃቦም ዝፈልጥ ኮይኑ፥ ብተወሳኺ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክስራዕ ከሎ፥ መትከል እዮብ ድማ ብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዖም ይርከቡ።
ዘይምስታፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ደረጃ ኤርትራ ብምኽሳር ነጥቢ ከይግድል ናይ ብዙሓት ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ይርከብ። ከምዝፍለጥ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፉ ዝግብኦም ተቐዳደምቲ ክታበት ኮቪድ 19 ክኽተቡ ዘይምኽኣሎም ካብቲ ውድድር ከምዝተኸልከለት ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰለስተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ኣብዚ ዙር ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ክሳተፉዮም።