ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዓወት ቢንያም ግርማይ ቀጺሉ ዝተራእየ ዘይምስታፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022፥ ንብዙሓት ደግፍትን ኣፍቀርትን ስፖርት ኤርትራ ዘቆጠዐ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብዚ ዙር ሰለስተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ምስ ኤውሮጳያንን ማሌዥያዊት ጋንታታቶም ኮይኖም ክሳተፉ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ንተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፋጼን ሓዊስካ፥ ሄኖክ ሙሉእብርሃንን መትከል እዮብን ኣብዚ ውድድር ምስ ጋንታታቶም ክሳተፉ ምዃኖም ድሮ ተፈሊጡ ይርከብ።
ብሰንኪ ዘይምኽታብ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፥ ኤርትራ ካብ ዙር ርውንዳ ክትሳተፍ ከምዝተኣገደት ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብዚ ዙር ክትከስቦ ዝግብኣ ናይ ዩሲኣይ(UCI) ነጥብታት ክትከስሮ ከምእትኽእል ይፍለጥ።