ካብ 2006 ጀሚሮም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኤርትራ ቁዱስ ወብጹእ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ከምዝዓረፉ ራድዮ ኤረና ሓቢራ።
ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክሳቀዩ ዝጸንሑ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስትያን ዘለዎ ኢድ ኣታውነት ብምቅዋምን፡ ቤትጽሕፈት ሃይማነታዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ድሕነትን ዝገብሮ ጥልቃ ምእታው ብዝተፈጥረ ሽግር ካልኦት ኣብ ልዕሊታ ቤተክርስትያን ዝድንገግ ዝነበረ ሕግን ብምቅዋም ከምዝተኣስሩን ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ተሓይሮምሉ ዝነበሩ ቤት ዝወጸ ቪድዮታት ኣዛራቢ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣብ ሕማቅ ናይ ጥዕና ኲነታት ወዲቆም ምንባሮም ክሕበር ምጽንሑ ይዝከር። ሲኖዶስ ኤርትራን ጳጳሳቱን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንጉዳይ እታ ቤተክርስትያን ሸንኮለል ከብልዎ ምጽንሖም ብሰፊሑ ዝተራእየ ኮይኑ፡ እታ ቤተክርስትያን ብሰንኪ ጉዳይ ኣቡነ ኣንጠንዮንስን ኣካይዳን ተገማሚዓ ኣምንቲ ፋሕፋሕ ኣቢላ ከምዘላ ይሕበር። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበር ኣማኒ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ተፈናጪሉን ዝተፈላለየ ቤተክርስትያን መስሪቱ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ሰቲት ሜድያ ብምኽንያት ሞት እዞም ንሓቂ ደው ኢሎም ዝዓረፉ ቀዱስ ወብጹእ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን ትገልጽ።