ኣብ ዓበይቲ ዙራት ኣፍሪቃ ዓበይቲ ዓወታት ብምሕፋስ እተፍለጥን፡ ብፍላይ ድማ ንከምበዓል ዙር ርዋንዳ፡ ዙር ኣሚሳ ቦንጎ ካልእን ኩሉ ዓወታት ሓፊሳ እትምለስ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ከምዘይትሳተፍ ኣካየድቲ እቲ ዙር ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ መርበቦም ሓቢሮም።
እቶም ኣካየድቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትር በቲ ዙር ንዝቀረበ መልክዒታት ጥዕና ክትበቅዕ ብዘይምኽኣላ ኣብቲ ዙር ናይ ምስታፋ ጠንቂ ከምዝኾነ ብተወሳኺ ኣብሪሆም።
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቅ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዙር ርዋንዳ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ተጻወታን ክሓፍስዎ ዝግባእ ነጥቢ ናይ ዩሲኣይ(UCI) ክኸስሩ ምዃኖም ይፍለጥ።
እዚ ጠንቂ ዘይምስታፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትር ጉዳይ ክታበት ኮቪድ-19 ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ክሳብ ሕጂ ኤርትራ እታ እንኮ ንዜጋታታ ክታበት ኮቪድ-19 ክትህብ ዘይጀመረት ሃገር እያ።