ብ ሰንኪ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ ቀደማይ ሚንስተር ሶማል መሓመድ ሑሴን ሮብለን ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ(ፋርማጆ)፡ ብተደጋጋሚ ክደናጎ ዝጸንሐ ምርጫ ሰማል፡ ኣብ ሞንግኦም ብዝተገብረ ሓድሽ ስምምዕ፡ ምርጫ ታሕታዋይ ባይቶ ሶማል፡ ኣብ ጥሪ 15 ክሳብ ለካቲት 25 ዘሎ እዋናት ንክካየድ ከምተሰማምዑ ካብ ሶማል ዝተረኽቡ ሓበሬታ የፍልጥ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንግኦም ንምርጫ ዝምልከት ስምምዕ ገይሮም እኳ እንተነበሩ፡ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ(ፎርማጆ)፡ ን ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ብብልሽውና ድሕሪ ምኽሳሱን፡ ካብ ዝነበሮ ስልጣን ክሳብ ምጽራይ ዝግበር ምድስካሉን፡ እቲ ዝነበረ ግጭት ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰብስልጣን ከምብሓድሽ ምጉህሃሩን፡ ነቲ ተወጢኑ ዝነበረ ሰሌዳ ናይ ምርጫ ከምዘሰናኸሎን ይግለጽ።
ብሰንኪ ምድንጓይ ምርጫ ሶማልን ግርጭት ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንት ሶማልን፡ ንጸጥታ ሶማል ኣብ ሓደጋ ከይወድቅ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሻቑሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ክግለጽ ከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ሓድሽ ውዕል ክኽበረን፡ ኣብ እዋኑ እንተ ዘይተተግቢሩ ምርጫ ሶማል፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ሶማል ናይ ቪዛን ካልእ እገዳ ከምትገብር መጠንቀቅታትን ከምዝሃበት ይግለጽ። ፕረዚደንት ስልጣን ፍርማጆ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ከብቅዕን ምርጫ ክግበርን እኳ እንተነበሮ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይቲ ዓመት ባይቶ ሶማል ዕድመ ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ክናዋሕ ድምጺ ብምሕላፉ፡ ሶማል ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክእትዋ ከምዝከኣል እዩ ዝሕበር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ 11 ጥሪ ኣብ ርእሰ ከተማ መቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ነፍሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝተቀትሉ ይፍለጥ።