back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣሜርካ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ጸዊዓ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሞጊሳ

ቤትጽሕፈት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣብ ጨንፈር ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ትማሊ 23 ታሕሳስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ናይ ዘይምእታው ንዝወስዶ ስግሙቲ ብምምጓስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ድሮናትን ብተወሳኺ ጠጠው ከብል ጸዊዑ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ጽሑፉ ንብዙሕ ግዜ ክንጽውዖ ዝጸናሕና ብህጹጽ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ ክብል ኣስፊሩ።

ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክርክር ኣትያ ዘላ ኣሜርካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ሽርክነት እዘን ሃገራት ብኣሉታ ብምጽላው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሜርካ ንህወሓት ትሕግዞም ኣላ ክብል ክኸስስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣሜርካ ብወገና ነቲ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ብምሃብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምዕራፍ እትወስዶ ስጉምቲ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ጥራሕ ምዃኑ ብምጥቃስ ኩሎም ወገናት ኣብ ዝርርብ ብምጻእ ሽግራት ፖሎቲካዊ ፍታሕ ክገብረሎም ትጽውዕ ምህላዋ ይዝከር።

እንተኾነ ግን ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ተሌቪዥን ትግራይ ብምቅራብ ኣሜርካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዑጥቃት ወገናት ብምሓዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከምዘለዎም ሓቢራቶም ምንባራ ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣሜርካ ካብቲ ነጻ ቀረጽን ንግድን ምትሕግጋዝን ንኣፍሪቃ ብዝብል ዝፍለጥ ኣጎዋ(AGOA) ንኢትዮጵያ ከምዝሰረዘታ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ የመላኽት።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles