back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራቱ ኣብቲ ሒዞሞ ዘለው ከባቢታት ክጸንሑ ኣዚዙ

ብሓሙስ 23 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብቲ ሒዞሞ ዘለው ዓሪዶም ክጸንሑ ከምዝኣዘዘ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ዝተመርሐ “ወፊሪ ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት” ዝሰመዮ ናይ ውሁድ ወተሃደራዊ ወፍሪ ቀዳማይ ምዕራፍ ከምዝዛዘሞ ብምሕባር፡ ወተሃደራቱ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው መደብ ከምዘይብሉ ዝሓበረሉ እቲ ካልእ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተሞክሮ መምሃሪ ከምዝኾነ’ውን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፡ “ግብረ-ሽበራ” ኢሉ ዝሰምዮም ዕጡቓት ትግራይ ንኢትዮጵያ ሃገራዊ ስግኣት ኣብ ዘይኮኑሉ ደረጃ ወሪዶም ከምዘለው መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብመንገዲ ክፍሊ ርክባቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብሪሁ።
ብወገን ምዕራባዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ንዝግበሩ ወፍሪታት ኣመልኪቱ ድማ ቀጻሊ መብሪሂ ክህብ ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ።

ምስዚ ተኣሳስሩ ብመንገዲ ክፍሊ ርክባት መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ብወገን ኤርትራ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ’ቲ ክልል ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ብካልእ ወገን፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ብምትሕብባር ንከተማ ስቖጣ ድሕሪ ምቝጽጻር ቀጻሊ ከባቢታት ኣበርገለ ከምዝሓዘ ዝተረኽቡ ሓበሬታት የእንፍቱ።

መንስግቲ ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ትግራይ ካብቲ ተቆጻጽሮሞ ዝነበሩ፡ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጸሪጉ ከምዘውጸኦም ክግለጽ ከሎ፡ ህወሓት ብወገኑ ምትዕርራይ ንምግባርን ንመስርሕ ሰላም ዕድል ንምሃብን ሰራዊቶም ናብቲ ብቅዋም ናይ’ታ ሃገር ተፈላጥነት ናብ ዘለዎ ዶብ ክልሎም ከምዝሰሓብዎ ይገልጹ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles