back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኢትዮጵያ መርማሪት ኮምሽን ከቅውም ኣጽዲቁ

ብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2021፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ንጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ምስ ኲናት ኢቲዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣመልኪቱ ውሳነ ከምዘሕለፈ ይሕበር። እዚ ብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተበገሰን፡ ንድፊ ሓሳብ ንውሳነ ዝቐረበን፡ ብ 47 ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ዝተገብረ ኽትዕን ምይይጥን፡ ብ 21 ናይ ደገፍ ድምጺ፡ 15 ናይ ተቓውሞ ድምጽን 11 ናይ ድምጺ ምዕቃብ ድምጽን፡ ንጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ዝምለከትን ዝተሓሓዘን 3 ዝኣባላታ ኣህግራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ክኢላታት ንክቀውም ኣጽዲቑ።

እዛ 3 ዝኣባላታ ኣህግራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ክኢላታት ዝሓቆፈት ኮምሽን፡ ን ሓደ ዓመት ዕድመ ክህልዋ ከሎ፡ ድሕሪ ዓመት ዕድሜኣ ክናዋሕ ከምዝክእል ይሕበር። እዛ ኮሚሽን፡ ገለልታዊ ብሙኻን፡ ንጥፈታታን ስርሓን ከምተካይድ ይግለጽ።

ነዚ ዝተዋህበ ውሳኔ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ እዚ ውሳነ ዝተወሰደ፡ ጣልቃ ምትእትታው ኣብ ልእላውነት ኢትዮጲያ እዩ ብ ምባል ክነጽጎ ከሎ፡ ምስቲ ዝቀውም ኮሚሽን ዝኾነ ዓይነት ምትሕብባር ከምዘይተርኢ ይሕብር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles