back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ፍሉይ ኣሃዱ ኣሜሪካ ኣብ ጅቡቲ ድልው ምህላዉ ተሓቢሩ

ብ 22 ሕዳር ማዕከናት ዜና ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዜናዊ መስናድኦታትን ከምዘስፈሮኦ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘድሊ ሓገዝ ንምግባር ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ኣሜርካ ኣብ ጅቡቲ ድሉው ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ፍሉይ ኣሃዱ ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት እንተ ብኢሱ ተባሂሉ ከምዝተዳለወ ክግለጽ ከሎ፡ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ኣሜሪካ’ውን ኣብ ተጠንቐቕ ምህላወን ምስዚ ጉዳይ ቀጥታዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ሓለፍቲ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሮም ክብል ሲኤንኤን(CNN) ብ 22 ሕዳር ኣጋ ምሸት ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ ሓቢራ።
“ኣብ ምግዕዓዝ ይኹን፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፍሉይ ዝነበረ ኣብ ኣፍጋኒስታትን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝገበርናዮ ንምድጋም ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው መደብ የብልናን” ክብል ሓደ ካብ ዓበይቲ ሓለፍቲ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ን ጋዜጠኛታት ከምዝሓበረ ብተወሳኺ ስኤንኤን(CNN) ኣብ ዜናኣ ኣስፊራ ኣላ።

ብተወሳኺ ኣሜሪካ ወዝቢ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ኩነታት ኩሉ ግዜ ምድላዋት ከምትገብር ዝጠቐሱ ሓለፍቲ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ግዜ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ክፉት ምስ ምዃኑ ንዘጋጥሙ ኩነታት ምድላው ምኽኑይ ኣይኮነን ክብሉ ገሊጾም። ሰበ-ስልጣን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ዜጋታት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝረኸብዎ በረራ ተጠቕሞም ብህጹጹ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ብጥብቂ ኣተሓሳስቦም ይርከቡ።

ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ክወጹን፡ ልዑል ጥንቃቀ ክገብሩን ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles