ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ሱዳን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክምለስ ተሰማሚዖም

ብመሰረት ሎሚ ሕዳር 21 ካብ ሱዳን ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ስቪላውያን በርገሳውያን ማሕበራትን ዝተበጽሐ ፖለቲካዊ ስምምዕ፡   ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላሓምዶክ፡ ናብ ንቡር ስልጣኑ ከምዝምለሰን፡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ፖለቲከኛታ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፍትሑን፡ ከም መንጎኛ ኮይኑ ናይ ዕርቂ መስርሕ ዘካይድ ዝነበረ፡ ፈድላላሕ ቡርማ ን ማዕከን ሓበሬታ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ (AFP)ሓቢሩ። 

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ብ 25 ጥቅምቲ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ ስቪላዊ ምምሕዳር ሱዳን ብምክያድ፡ ብ 11 ሕዳር ሓዲሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምምስራት፡ ቃለ መሓላ ከምዝፈጸመ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብ በርገሳውያን ማሕበራት ዝተጸውዐ  ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣንጻር እቲ ዕልዋን፡ ስቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ንክምለስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ክካየድ ከምዝቐነየን ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ትካላት ሱዳን ብዝወሰድዎ ግብረ መልሲ ልዕሊ 13 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝቆሰሉን ይዝከር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ