መርበብ ሓበሬታ ሊብያን ኦብሰርቨር (The Libyan Observer) ንመግለጺ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብምጥቃስ፡ ኣስታት 72 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከል ባሕሪ ከምዝደሓኑን፡ ናብ ትሪቦሊ መሊሶሞም ከምዘለዉን ኣብ ዘስፈረቶ ዜና ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ኣብ መግለጺኡ እቶም ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ከምዝደሓኑን፡ ኣብ ትሪቦሊ ኣብ ዝርከብ ወደይ ኣድላዪ ሕክምናን ምእላይን፡ ብምትሕብባር ዓለምለኻዊ ማሕበር ንስደተኛታት (IOM) ከምዝተገብረሎም ብምሕባር፡ እቲ ሚኒስትሪ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጀሚሩ ከምዘሎን፡ ናብ ጸረ ዘይሕጋዊ ስደት ወኪል ተሰጋጊሮም ከምዘለዉን ሓቢሩ።
ኣብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ንምስንጣቅ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከምዘለዉን፡ ብሰንኪ ህሉው ኲነታት ኣብ ሊብያን ሓደጋታት ማእከላይ ባሕርን ከቢድ ከልበትበት የሕልፉ ከምዘለዉ ክጥቀስ ምጽንሑ ይፍለጥ። ካብዚኦም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣማኢት ኤርትራውያን ምዃኖም ይሕበር።