back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዝተቆጻጸርዎ ቦታ ጸታዊ ዓመጽን ዝምታን ምክያዶም ተሓቢሩ 

ሰራዊት ህወሓት ኣብ መፋርቅ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፋስ መውጫ ዝበሃል ከተማ ኣብ ዝተቖጻጸሩሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ጸታዊ ዓመጽን ዝምታን ከምዘካየዱ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ 9 ሕዳር ኣብ ዘውጾ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ትካል ነዚ ክርዳእ ዝኸኣልኩ፡ ምስ ካብቲ መጥቕዕቲ ተገይሩለን ዝደሓናን ምስ ሰበስልጣን ናይ ሆስፒታል ብዝገበርክዎ ዉሑስ ዝኾነ ናይ ቪድዮ ቃለመሕተት ምዃኑ ይሕብር ።

ሰራዊት ህወሓት፡ ነታ ከተማ ን 9 መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ዝተቆጻጸረሉ መዓልታት፡ ነዚ ተግባር ከምዝፈጸምዎ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ጸታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ መጥቃዕትን ዘለፋን ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ከምዘገበሩለንን፡ እተን እዚ መጥቕዕቲ ዘበጽሐን ደቂ ኣንስቲዮ ምሕባረን ኣፍሊጡ። ሰራዊት ህውሓት፡ ብ ዕስለ ኮይኖም ከምዝዓመጽወን ክሕብራ ከለዋ፡ ድሕሪ እቲ ጸታዊ ዓመጽ ከኣ ዘለወን ንብረት ከምዘወሰዱለን ይገልጻ። ገለ ካብተን ዓመጽ ዝወረደን ደቂኣንስትዮ እቲ ዓመጽ ኣብ ቅድሚ ደቀን እንዳ ነቡዑ ከምዘጋጠመን፡ እቲ መግለጺ ናይ ኣሚንስቲ ኤንተርናሽናል ይሕብር። 

 ሓንቲ ካብተን ግዳያት ን ኣሚንስቲ ኤንተርናሽናል ኣብ ዝሓበረቶ፡ ጥንሲ ካብቲ ዓመጽ ከምዘጋጠማን፡ እንተኾነ ግን ብ ሰንኪ ሰራዊት ህውሓት ናይቲ ከተማ ሆስፒታል ስለ ዝዕነዎን ዝዘሞቶን፡ ኣድላይ ኣገልግሎት ሕክምና ክትረክብ ከምዘይከኣለት ትሕብር። 

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ቁጽሪ ግዳያት 71 ክብል ከሎ፡ ሚንስትሪ ፍትሒ መንግስቲ  ፈደራል ኢቲዮጵያ ግን 73 ክብል ገሊጹ ይርከብ። ጸሓፊ ዳይረክተር ኣሚንስቲ ኢንተርናሽናል ኣንገስ ካልማርድ “ምስክረነት ናይዘን ደቀንስቶዮ፡ ሰራዊት ህወሓት ኣነዋሪ ተግባር እዩ ፈጺሙ። እዚ ገብን ኲናት ክኸውን ከሎ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን’ውን ተኽእሎ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ “ስንምግባር ወይ ሰብኣውነት ዝጻረር” እዩ ይብል። ኣንገስ ካልማርድ ብምቅጻል፡ ሰራዊት ህውሓት ካብ ከምዚ ዝኣምሰለ ተግባር ክቑጠቡን ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ጠጠው ከብሉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ንግዳያት ኣዳልዪ ዝተባሃለ ኩሉ ሓገዝ ክገብረለንን ንሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርክብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን መንገዲ  ኩፉት ክግበረን ንጽውዕ ክብል ጸሓፊ ዳይርክተር እቲ ትካል ሓቢሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles