ካብ ቀዳም 30 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 9 ሓዳር ዝሰላሰል ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ንምስታፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትማሊ ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።
እዛ ሃገራዊት ጋንታ 30 ጥቅምቲ ምስ ታንዛንያ ኣብ ዝህልዋ ጸወታ ክትፍልሞ ምዃና ክሕበር ከሎ፡ ቀጺሉ ሕዳር 1 ምስ ኢትዮጵያ፡ ሕዳር 3 ምስ ኡጋንዳ፡ ሕዳር 6 ምስ ጁቡቲ፡ ከምኡ’ውን ሕዳር 9 ምስ ብሩንዲ ጸወታታት ክህልዋ ምዃኑ ተፈሊጡ ይርከብ።
እዚ ብዘይዝኾነ ደገፍቲ ኣብ ዕጹው ሜዳ ክኻየድ ምዃኑ ዝተሓበረ ጸወታት፡ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ ክመሓላለፍ ምዃኑ ክሕበር ከሎ፡ ኮሮና ብዝፈጠሮ ምኽንያት ኣብ ዕጹው ሜዳ ክጻወታ ምዃነን ተሓቢሩ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ካብ ሃገራ ወጺኣ ክትጻወት ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዝነበራ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ዝነኣድ ብቅዓት ከምዘርኣየት ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ ድሒራ ብታንዛንያ ብገፊሕ ተሳዒራ ካብቲ መጻረዪ ምግላፋ ይዝከር።