back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንምስታፍ ኡጋንዳ ኣትያ 

ካብ ቀዳም 30 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 9 ሓዳር ዝሰላሰል ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ንምስታፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትማሊ ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ 30 ጥቅምቲ ምስ ታንዛንያ ኣብ ዝህልዋ ጸወታ ክትፍልሞ ምዃና ክሕበር ከሎ፡ ቀጺሉ ሕዳር 1 ምስ ኢትዮጵያ፡ ሕዳር 3 ምስ ኡጋንዳ፡ ሕዳር 6 ምስ ጁቡቲ፡ ከምኡ’ውን ሕዳር 9 ምስ ብሩንዲ ጸወታታት ክህልዋ ምዃኑ ተፈሊጡ ይርከብ። 

እዚ ብዘይዝኾነ ደገፍቲ ኣብ ዕጹው ሜዳ ክኻየድ ምዃኑ ዝተሓበረ ጸወታት፡ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ ክመሓላለፍ ምዃኑ ክሕበር ከሎ፡ ኮሮና ብዝፈጠሮ ምኽንያት ኣብ ዕጹው ሜዳ ክጻወታ ምዃነን ተሓቢሩ ይርከብ። 

ኣብ ዝሓለፈ ካብ ሃገራ ወጺኣ ክትጻወት ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዝነበራ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ዝነኣድ ብቅዓት ከምዘርኣየት ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ ድሒራ ብታንዛንያ ብገፊሕ ተሳዒራ ካብቲ መጻረዪ ምግላፋ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles