ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም(WHO)፡ ካብተን ክሳብ ሕጂ ንህዝበን ክታበት ኮሮና ከይሃባ ዝጸንሓ ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቡሩንድን ኤርትራ ኮይነን፡ ካብዘን ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ቡሩንዲ ብሶኒ 18 ጥቅምቲ ክታበት ከምዝጀመረት ተፈሊጡ።
ሃገራት ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ግን ክሳብ ሕጂ ንህዝበን ክታበት ኣይሃባን ዘለዋ። እዘን ሃገራት ክታበት ኮሮና መዓስ ክጅምራ ከምዝኾና ዘመልክት ሰሌዳ ግዜ’ውን ወግዓዊ ኣይገበራን ኣለዋ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ክሳብ’ዛ ሰዓት 6,778 ዜጋታት ብኮሮና ዝተታሕዙ ኮይኖም፡ ካብዚኦም ድማ 45 ዝሞቱ ከምዝኾኑ ይሕበር።
ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ነቲ ክታበት ኮሮና ንድኻታት ሃገራት ንምብጻሕ ተባሂሉ ናብ ዝቆመ ትካል ኮቫክስ ከምዘይተጸንበረት እውን ይፍለጥ።
እንተኾነ እዚ ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻብ ብመንግስቲ ዝወሃብ ዘሎ ምስ ምዃኑ፡ ብዙሓት ተለባዒ ሕማም ኮሮና ብሰፊሕ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ መንግስቲ ሓበሬታ ይዕፍኖ ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ይሕበር።
ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 70 ሚልዮን ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰደ ክኸውን ከሎ፡ ኣስታት 36 ሚልዮን ድማ ብኸፊል ነቲ ክታበት ዝወሰደ ከምዝኾነ ሰነዳት ውድብ ጥዕና ዓለም የመላኽቱ።
ብዓለም ደረጃ ድማ፡ ልዕሊ 6 ቢልዮን ብኸፊል ዝተኸትበ ክኸውን ከሎ፡ 2.8 ቢልዮን ድማ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰደ እዩ።