back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ብሕቡእ ክኽዕበት ዝጸንሐ ሃብቲ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት 

ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት መራሕቲ ዝነበሩን ዘለዉን፡ ፖለቲከኛታትን ኣዝዮም ሃብታማት ወልቀሰባትን ዝርዝር ኣስማት ዘለዎም ሕቡእ ሃብቲ፡ ዝገብርዎ ሕቡእ ዕድግታት ብሚስጢር ተታሒዙሉ ካብ ዝነበረ፡ ናብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዓለም ብምብጽሑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣዛራቢ ዛዕባ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ኮይኑ ይርከብ። 

እዚ ልዕሊ 12 ሚሊዮን ዶኮመንትን ፋይላትን ዝሓዘ ሓበሬታ፡ ብ ፓንዶራ ፐፐርስ (Pandora papers) ዝፍለጥ፡ ብ ልዕሊ 600 ጋዜጠኛታት ካብ 117 ሃገራት መጽናዕቲ ይግበረሉ ከምዘሎን ይግለጽ። 

ፕረዚደንት ራሻ ብላድሚር ፑቲን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ንጉስ ጆርዳን ዓብዱላህ፡ ፕርዚደንት ኣዘርባጃን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብለየርን ዝርከብዎ ናይ 35 መራሕቲ ሃገር፡ ናይ ልዕሊ 300 ህዝባዊ ሓላፍነት ዘለዎም ዘጣቓላል ዝሓዘ ሓበሬታ እዩ። 

ፕረዚደንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ፡ ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ክኸውን ከሎ፡ ብ ስሙን ብስም ቀረባ ቤተሰቡን ኣብ ሃገሩ ኬንያ ዘይተመዝገባ ካብ ህዝቢ ኬንያ ዝተኸወላን ግን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተመዝገባ ትካላት ከባቢ 13 ዝበጽሓ ከምዘለዎ ይሕበር። ኣብ 2003 ብ ጓል 88 ዓመት ኣዲኡ፡ ኣብ ፓናማ ዝተመዝገበ ትካል ከምዘለዎን፡ ድሕሪ ሕለፍት ናይ ኣዲኡ፡ ሙሉእ ብ ሙሉእ እሱ ጥራይ ወራሲ  ከምዝኾነ ዝሕብር ዶኮመንት ሓደ ካብቶም ልሒኾም ዝወጹ ሓበሬታ ኣብ ፓንዶራ ፐፐርስ እዩ። 

ኣብዚ ሓለፈ 9 ዓመት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ልሒኾም ዝወጹ ሓበሬታት ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት መራሕቲ፡ ፖለቲከኛታትን ኣዝዮም ሃብታማት ወልቀሰባትን ዘለዎም ሕቡእ ሃብቲ፡ መጠን ገንዘብ ዝተቐመጠ ኣብ ባንኪ ዝሕብር ብርክቱ ዝበሉ ዝወጹ ክኸኑ ከለዉ፡ እዚ ኣብ ዕለት 3 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2021 ብ ፓንዶራ ፐፐርስ ዝፍለጥ ብ ዓቀኑን ግዝፉን ኣዚዩ ዓቢ ምዃኑ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles