ፍሉይ ወኪል ሕብራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ሲቪላዊ መንግስቲ ዝግበር ስጕምቲ ናይ ዋሽንግተን ደገፍ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትዎ ብሮቡዕ 29 መስከረም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣጠንቀቑ። ኣብቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማሪያም ኣል-ማህዲን ያሲር ኣርማንን ዝተረኽብሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፥ እቲ ልኡኽ ኣሜሪካ፥ ነቲ ብ21 መስከረም መንግስቲ ሱዳን ኣፍሽለዮ ዝበሎ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብምኹናን ሃገሩ ነቲ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምትድግፍ ገሊጹ።
እቲ ዲፕሎማሰኛ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተነታት “ንሱዳን ዝግበር ሓገዝ ከም ዘቋርጽ” ክገብር ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ እቶም ክልተ ጕጅለታት ብዘይ ጸገም ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምግባርን ሱዳን ኣብ ውሽጢ እቲ ድሕሪ ጻዕሪ ዝበጽሐ ኣህጉራዊ ስርዓት ዘለዋ ቦታ ንምዕቃብን ምትሕብባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክግንዘቡ ኣድላዪ ምኻኑ ገሊጹ።
ኣብ ታሕሳስ 2020 ላዕለዋይ ባይቶ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝግበር ደሞክራስያዊ መሰጋገሪ ዝድግፍን ንስለያን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን ዝቖጻጸርን ሕጊ ኣውጽኡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ናይ 2020 ሱዳን ደሞክራስያዊ መሰጋገሪ ተሓታትነት ከምኡ’ውን ናይ ቁጠባዊ ግሉጽነት ኣዋጅ፡ ዝዓጠቀ ምልሽያ ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝሓብሩን ሲቪላዊ ቍጽጽር ወተሃደራዊ ትካላት ከም ዘደልድሉን ዝገብር ናይ ጸጥታ ትካላት ተሓድሶ ገምጋም ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።
ብ24 መስከረም ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ፡ ጃክ ሱሊቫን ንቐዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብዳላ ሓምዶክ ብተሌፎን ብምድዋል ምምሕዳር ባይደን ነቲ ብሲቪል ዝምራሕ ናብ ዴሞክራሲ ሱዳን ዝግበር መሰጋገሪ ንምድጋፍ ዘለዎ ቆራጽነት ከምዝግለጸ ምሕባሩ ይዝከር። ብዘይካ’ዚ ሱሊቫን ንዓብደላ ሓምዶክ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቐረባ ግዜ ክራኸቡ ከም ዝህንጠ ምሕባሩ ብትወሳኺ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብብራያን ዴቪድ ሃንት ዝተባህለ ምክትል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝምራሕ ወኪል ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ቍጠባውን ምምሕዳራውን ድሕንነትን ዘምጽኦ ብድሆታት፡ እንተላይ ብዛዕባ ናይ መሰጋገሪ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ምቛም፡ ንምምይያጥ ናብ ካርቱም ይበጽሕ ምህላዉ ይሕበር።
ሱዳን ድሕሪ ዝተፈጥረ ለውጢ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቁልውላውን፡ ምቛም ስቪላዊ መንግስቲን ተሸሚማ ከምዘላ ዝሕበር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፈተነ ቅትለት ክካየድ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድማ ገለ ኣባላት ሰራዊት ፈተነ ዕልዋ ከምዘካየዱን፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ከምዝተቆጻጸሮን ይሕበር።
ብዘይካዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ዕጡቅ ጉጅለ ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ከምዝቀተለ ክገልጽ ከሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፡ ነቶም ዳዕሽ ምዃኖም ዝገለጾም ጉጅለ ኣብ ካርቱም ይህዳኖም ከምዘሎ ምሕባሩ ይዝከር።