back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይታ ሃገር ጣልቃ ኣትዮም ኢሉ ብምኽሳስ ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ከምዘባርር ኣፍሊጡ። እዞም ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተነጊርዎም ዘሎ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሰብዓን ክልተን ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ክብል ኣሾሸይትድ ፕረስ ኣብ ጸብጻባ ገሊጻ።
ብተወሳኺ ማዕከን ዜና ኣሾሸይትድ ፕረስ ንኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ንዝርዝር ናይቲ እቶም ሰራሕተኛታት ዝተጠርጥሩሉ ምትእትታው ክሓቶ እንተ ሃቀነ ከምዘይሰለጦ ኣብ ጸባቡ ኣስፊሩ ይርከብ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተርስ በቲ ስጉምቲ ከም ዝሰምበደ ብምግላጽ፣ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ብዘይ ኣድልዎን ብገለልትነትን ከም ዝምርሑ ብምትእምማን ገሊጹ። ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገና ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዝኾነነቶ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ፖሎቲካዊ ሽግራት ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ሽግራት ኣብ ምብርታዕን፡ ኪኖ ተልኡኸአን ካልእ ስራሕ ይሰርሓ ኣለዋ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ከቅርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንሰለስተ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብታ ሃገር ከምዘባረረ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles