ምኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ ጀንስ ሰፋን፡ ማሓዙት ጀርመን ዝኮና ሃገራት፡ ደገፈን ን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክገልጻ ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ጀርመን ዶክተር ቴድሮስ ንካልኣይ ግዚኡ ዳይርክተር ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኮይኑ ንክምረጽ ዘለዎ ደገፍን ዳግማይ ሕጹይ ክኸውን ምግላጹ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ግጭት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ዶክቶር ቴድሮስ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍ ከምዘይረክብ ዝፍለጥ ኡኳ ተኾነ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ዶክተር ቴድሮስ ብዘይ ተቀናቓኒ ሕጹይ ን ዳግማይ ዳይረክተርነት ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ቀሪቡ ከምዘሎ ዘተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።
መንግስቲ ጀርመን፡ ካብተን ብብዝሒ ገንዘብ ን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝምውላ ሃገራት ሓንቲ ብምዃና፡ ደገፋ ብምግላጻ ሓደ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ገለ ገለ ተንተንቲ ይሕብሩ። እታ ዝለዓለን ኣብ ቀዳማይ ደረጃን ትስራዕ ሃገረ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይሃበት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ግን ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ሓበሬታ ዝኾና ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ን ዳግማይ ምምራጽ ዶክቶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክትቃወሞን ካልእ ሑጹይ ክተቕርብን ይጽውዑ ምህላዎም ይሕበር።
ኣብ ቦታ ዳይርክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመጹ ሑጹያት ናይ ምቕራብ ሎሚ መስከረም 23 2021 ናይ መወዳእታ ምዃኑ ይሕበር።