back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣብ ሱዳን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ

ኣብ ሱዳን ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈሸለ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም። ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ኣብ ዝዝርግሖ ሓበሬታ፡ ምስ ዝሓልፈ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ተዳነግጽትን ምትእስሳር ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ከምዝፈተኑን፡ ልዕሊ 40 ዝኣኽሉ ወተሃደራትን ኦፊሰራትን ምስቲ ፈተነ ዕልዋ ኢድ ዘለዎም ከምዝተኣስሩ ይሕብር።

መስርሕ መርመራን ገበነኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ንምምጻእ፡ ብቁልጡፍ ከምዝጅመር ሰበስልጣን ሱዳን ብተወሳኺ ገሊጾም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ተፈቲኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሱዳን ጌና ኣካል ናይ ዝሓለፈ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን፡ ክሳብ ሒጂ ዕጥቆም ዘይፈትሕዎ ምህላዎም ኣብ ከቢድ ወጥሪ ከምዘላ ይንገር።
ላዕለዎት ጀነራላት እታ ሃገር ባዕሎም ዝመርሕዎ ሰራዊት ከምዘለዎምን፡ ብጀነራል ሓመቲ ዝፍለጥ ሰራዊቱ ናብቲ ናይታ ሃገር ሰራዊት ክሕንፈጽ ኣብ ዝተሓተተሉ ከምዝኣበየ ይፍለጥ።

ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ብ ህዝባዊ ምልዓል ድሕሪ ምእላዩ፡ ብ ጥምረት ወተሃደራውን ስቪላውን ምምሕዳር ትማሓደር ዘላ ሱዳ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሰበስልጣንን ስቪላዊ ምምሕዳርን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስሕሓብ ከምዝረኣያ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles