back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

18 መስከረም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ተዘኪራ 

ቅድሚ 20 ዓመት ብዕለት 18 መስከረም ዘጋጠመ፡ ምሕያር ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ምጭዋይ ጋዜጠኛታትን ኣሰናዳእትን ጋዜጣታት ብሕትን፡ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ነቶም በዛ ዕለት ተሰዊሮም ክሳብ ሒጂ ደሃዮም ክርከብ ዘይተኻእለ፡ ኣብ ኤርትራ ንቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ሕቶ ዘልዓሉን፡ ህዝቢ ሚዛናዊ ሓበሬታ ንክህልዎ ዓቢ ተራ ዝነበረን ጋዜጣታት ብሕትን ኣሰናዳእትን ዝተፈላለዩ መዳብት ብምስራዕ ከምዝተዘከረት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። 

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ናይ ዜና ማዕከናትን ኣቢሎም፡ ነዞም ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ክነግስ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክርከብ፡ ተሓታትነት ስልጣናት መንግስቲ ክዕረን ዝጠለቡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበስልጣናት መንግስትን ጋዜጠኛታት ስእልታቶምን፡ ቅድሚ ምእሳሮም ንዝሰርሕዎ ስርሓት ብምክፋልን 18 መስከረም ከምዝተዘክረት ይፍለጥ። 

ቅድሚ 20 ዓመት ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ኣልጀርስ፡ 15 ስሙያት ላዕለዎት ሰብስልጣን መንግስቲ፡ ኣብቲ መንግስቲ ተፈጢሩ ንዝነብረ ናይ ተሓታትነት ስልጣን ንምትዕርራይ ናይ ለውጢ ፌርማ ብምእካብ ሕቶ ከምዘልዓሉን፡ ንዕኡ ተኸቲሉ ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ንሕቶኦም ብምጉሳይ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ክስወርን፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመት ኣብ ማእሰርትን ስቅያትን ከምዘለዉ ይሕበር።

እዞም 11 ላዕለዎት ሓለፍትን፡ ብዙሓት ምሁራት ዳይርክተራት ጀነራላት ናይ ትካላትን፡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዝርከቦም እሱራት፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመት ደሃዮም ከምዘየለን፡ ስድራቤታቶም ዝኾነ ዓይነት ንሃለዋቶም ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብሎምን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles